ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ትማሊ ምሸት ኣብ ጎቦ ፈንታሌ ጥቓ መተሃራ ንዝረቱ ክሳብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሰምዐ ምንቅጥቃጥ መሬት ከምዘጋጠመ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ሓላፊ ክፍሊ ትምህርቲ ሴስሞሎጂ ትካል ጂኦ ፊዚክስ ህዋ ሳይንስን ኣስትሮኖሚን ኣታላይ ኣየለ (ፕ/ር) ከምዝበሉዎ፥ ኣብ ወረዳ ኣዋሽ ፈንታሌን ከባቢ መተሃራን ካብ 10 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ዝተፈላለየ መጠን ዘለዎ ምንቅጥቃጥ መሬት እናጋጠመ ይርከብ፡፡
ትማሊ ምሸት ሰዓት 4፡41 እው ኣብ ጥቓ ከተማ መተሃራ ብሬክተር ስኬል 4 ነጥቢ 9 ዝኾነ ምንቅጥቃጥ መሬት ከምዘጋጠመ ንፋና ዲጃታል ተዛሪቦም።
እዚ ድማ ኣብዚ ሰሙን ካብ ዘጋጠሙ ዝለዓለ ከምዝኾነ ብምሕባር፥ እቲ ንዝረት ክሳብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተሰምዐ ኣብሪሆም።
ኣብቲ ከባቢ ዘጋጥም ተደጋጋሚ ምንቅጥቃጥ መሬት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናወሰኸ ምምፅኡ ብምሕባር÷ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ፀገም ከየስዕብ ናይ ቀረባ ክትትል ንኽግበር ኣተሓሳሲቦም፡፡
ብመላኩ ገድፍ