ኣብ ከባቢያዊ ዲፕሎማሲ ዘድሃበ ዓውደ መፅናዕቲ ምስላጥ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከባቢያዊ ዲፕሎማሲ ዘድሃበ ዓውደ መፅናዕቲ ምስላጥ ጀሚሩ።

ኣብቲ ዓውደ መፅናዕቲ ኣምባሳደራትን ዲፕሎማሰኛታትን ተሳተፍቲ እንትኾኑ፥ ኣብ ዲፕሎማሲ ለውጢ ከባቢ ኣየርን ሳይንስን፣ ዓለም ለኸ ማዕቐፍ ፖሊሲ ለውጢ ከባቢ ኣየርን ትካላትን ትኹረት ዝገበረ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ኣብ ለውጢ ኣየር ዘለዉ ዓለም ለኸ ሓሳባት እውን ኣንፈት ትኹረት እቲ ዓውደ መፅናዕቲ ከምዝኾኑ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒሰስቴር ዲኤታ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፥ እቲ ዓውደ መፅናዕቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ኣብ ለውጢ ንብረት ኣየር ዘለዋ ቆራፅ ቅዋም ንምርኣይ ዝዓለመ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝተኸሰተ ድርቂ፣ ሓደጋ ውሕጅን ወራር ዕስለ ኣምበጣን ዘልዐሉ ኣምባሳደር ሬድዋን፥ ኣብ ዲፕሎማሲ ለውጢ ኣየር ትኹረት ምሃብ ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

እቲ ዓውደ መፅናዕቲ ንዝቕፅሉ ኣርባዕተ መዓልቲታት ዝፀንሕ ኢዩ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment