ኣብ ከባቢታት ወርቅ ኣምባ፣ ቡና ሜዳን ዝንጀሮ ኣፋፍን ህወሓት ዘዋፈሮም ሓይሊታት ጥፍኣት ተደምሲሶም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ መዓልቲ ኣብ ግምባር ማይ ፀብሪ መጥቃዕቲ ንምፍፃም ዝመፅ ናይ ከሓዲ ኮ/ል ኪሮስ ገ/ኪዳን ክፍለ ጦር ንባዕሉ ሓዊሱ ኣብ ከባቢታት ወርቅ ኣምባ፣ ቡና ሜዳን ዝንጀሮ ኣፋፍን ህወሓት ዘዋፈሮም ሓይሊታት ጥፍኣት ተደምሲሶም።

ኣብ ግምባር ማይ ፀብሪ ካብ ሞንጎ ዝመርሑ ኣዘዝቲ ሓደ ከምዝገለፁ፥ ትማሊ ለይቲ ሰዓት 10ን ሎሚ መዓልቲ ረፋድን ብከሓዲ ኮ/ል ኪሮስ ገ/ኪዳን ዝምራሕ ክፍለ ጦር ሙሉእ ብሙሉእ እንትድምሰስ ንባዕሉ ሓዊሱ ኣመራርሓታት እቲ ጁንታ ካብ ዝኾኑ ሌ/ኮ ገ/ፃዲቕ ምሩፅ ከምዝተደምሰሱ ኣረጋጊፆም፡፡

ብዝተገበሩ ውግኣት እቲ ግብረ ራዕዲ እናተጠቐመሎም ዝነበሩ ልዕሊ 27 ሺሕ ዝተፈላለዩ ጠያይቲ፣ ዲሽቃ፣ ብሬን፣ ስናይፐር፣ መራኸቢ ራዲዮ ከምኡ እውን ንህዝቢ ዘደናግረሉ ዝነበረ ናይ ሕሶት ማህተም ክልል ኣምሓራ ክማረኽ ከምዝኸኣለ ገሊፆም፡፡

እቶም ኣዛዚ ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ዓወት ብኣባላት ሰራዊት እዚ ምዕራብ፣ ብፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራን ሚሊሻን ከምኡ እውን ብፍሉይ ሓይሊ ክልል ኦሮሚያ ዝተረኸበ ኢዩ፡፡

ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ብምዃን ኣብ ግምባር ተሰሊፎም ትፅቢት ዝግበረሎም እናተዋፅኡ ከምዝርከቡ ምግላፆ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment