ኣብ ከቢድ ድርቂ ዝርከብ ህዝቢ ንምድሓን ከም መንግስቲ ኩሉ ዓቕሚ ኣዋዲድና ክንሰርሕ ኢና -ኣይተ ጌታቸው

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፥ ብድርቂ ኣብ ዝተጠቕዐ ከባቢ ወረዳ ኣፅቢ ጣብያ ፈለገ ወይኒ ዑደት ኣሳሊጦም።

ብሰንኪ ድርቂ ንዝለዓለ ጉድኣት ተቓሊዕና ሕሱም ናብራ ነሕልፍ ኣለና ዝበሉ ነበርቲ ወረዳ ኣፅቢ፥ መንግስታዊ ኣካላትን ገበርቲ ሰናይን ብህፁፅ ክበፅሑልና ይግባእ ከብሉ ተማሕፂኖም።

ኣይተ ጌታቸው ብግደኦም፥ እቲ ህዝቢ ብስንኪ ድርቂ ከቢድ ሰቓይ እናሕለፈ ከም ዝርከብ ተዛሪቦም።

ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓመት ፍርያት ዝራእቲ ዘይረኸበ ህዝቢ ምዃኑን ህይወት ህዝቢ ንምድሓን ናይ ኩሉ ዓቕሚ ኣዋዲድና ብምትሕግጋዝ እዛ እዋን ክንሓልፋ ይግባእ ኢሎም።

ኣይተ ጌታቸው፥ ኣብ ከቢድ ድርቂ ዝርከብ ህዝቢ ንምድሓን ከም መንግስቲ ዝካአለና ኩሉ ዓቕሚ ኣዋዲድና ክንሰርሕ ኢና ክብሉ እውን ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ ካብ ነበርቲ ወረዳ ኣፅቢ ጣብያ ፈለገ ሂወት ዝተልዓለ ሕቶ መሰረተልምዓት እውን ብቐፃልነት ንምፍታሕ ከም ዝስራሕ ገሊፆም።

ኣይተ ጌታቸው፥ ኣብ ወረዳ ኣፅቢ ጣብያ ፈለገ ሂወት ብበዓል ሃፍቲ ቦኹረ ትጉሃን ክፍለማርያም ክንደያ ብልዕሊ 400 ሚልየን ዝተሃነፀ መፃረይን መዐሸግን ፋብሪካ ማይ ረዊና እውን ዑደት ገይሮም።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment