ኣብ እዋን 40 ፆም ሰላም፣ ፍቕሪ፣ ይቕረ በሃላይነት፣ ምእዙዝ ምዃንን እናተኻፈልካ ምብላዕን ተግባራዊ ምግባር ይግባእ-ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ፓትሪያሪክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊቀ ጳጳስ ዘኣክሱም ወእጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ ቀዳማዊ፥ ኣብ እዋን 40 ፆም ሰላም፣ ፍቕሪ፣ ይቕረ በሃላይነት፣ ምእዙዝ ምዃንን እናተኻፈልካ ምብላዕን ተግባራዊ ምግባር ይግባእ ክብሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ፥ ምእታው ኣቢይ ፆም ምኽኒያት ብምግባር መግለፂ ሂቦም።

ዕላማ እቲ ዓብዪ ፆም ዲያብሎስ ብምቅዋም ንእግዚኣብሄር ምምእዛዝ ኢዩ ኢሎም።

እዚ ማለት “እግዚአብሔር ኣብ ቅዱስ መፅሐፍ ግበሩ ዝለና ምግባር፤ ኣይትግበሩ ዝበለና ድማ ዘይምግባር ኢዩ፤ እዚ ድማ ንእግዚኣብሄር ምምእዛዝ ማለት ኢዩ” ክብሉ ኣብሪሆም።

ኣብ እዋን 40 ፆም እቲ ምእመን፥ ሰላም፣ ፍቕሪ፣ ይቕረ በሃላይነት፣ ምእዙዝ ምዃንን እናተኻፈልካ ምብላዕን ተግባራዊ ምግባር ይግባእ ክብሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጥም ዘሎ ጥምየትን ምምዝባልን ንቤተክርስቲያን የተሓሳስባ ከምዘሎ ብምግላፅ፥ እዚ ድማ ኣብ መንጎና ፍቕሪን ሰላምን ብምጥፍኡ ዘጋጠመ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ነቲ ፀገም መፍትሒ ንምሃብ ድማ ኩሉ ሰባ ንሰላምን ፍቕሪን ብፅኑዕ ደው ክብል ይግባእ ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment