ኣብ እዋን ጎንፂ ዝተፈፀሙ ገበናትን ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ብስግግር ፍትሒ እንተይተረፈ ምርኣይ ይግባእ – መኣዛ ኣሸናፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ እዋን ጎንፂ ዝተፈፀሙ ገበናትን ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ካብ ስሩዕ ስርዓት ፍትሒ ሓሊፉ ብስግግር ፍትሒ እንተይተረፈ ብምርኣይ ስርዓት ፍትሒ ንምርግጋእ ምስራሕ ወሳኒ ከምዝኾነ ፕሬዚዳን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል መኣዛ ኣሸናፉ ገሊፀን።

ስርዓት ፍትሒ ጎንፂታት እንፍጠሩን ድሕሪ ምፍጣሮምን ክህልዎ ኣብ ዝኽእል ግደ ዘድሃበ መድረኽ ዘተ፥ ብኣሰናዳእነት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ይሳለጥ ኣሎ።

“ኣቢያተ ፍርዲን ስግግር ፍትሒን ጎንፂታት እንተጋጥሙን ድሕሪ ምግጣሞምን” ብዝብል ርእሲ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ዘተ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ዘማእኸለን ኣድላዪን ከምዝኾነ ኣብቲ መድረኽ ተፀሪሑ።

ብፍላይ ድማ እቲ ዘተ ኣብ እዋን ስግግር ብዛዕባ ዘድሊ ኣተገባብራ ስግግር ፍትሒ ከምኡ እውን ምስ ስሩዕ ፍትሒ ጎና ጎኒ ምክያድ ኣብ ዝከኣለሉ ኣግባብ ትኹረት ዝገበረ ኢዩ ተባሂሉ።

ብምክትል ፕሬዚዳንት እቲ ቤት ፍርዲ ሰለሞን ኣረዳ እናተመርሐ ኣብ ዝርከብ መድረኽ ዘተ፥ ፕሬዚዳንታት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከምኡ እውን ካብ ማሕረሰብ ዳያስፖራ ዝተውጻእፅኡ ሰብ ሞያ ሕጊን ሙሁራንን እናተሰዳተፉ ከምዝርከቡ ኢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment