ኣብ እዋን ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ “ልዑል ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ተፈፂሙ ኢዩ” ብምባል ኣሜሪካ ዘውፀአቶ ፀብፃብ ከምዘይትቕበል ኢትዮጵያ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ እዋን ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ “ልዑል ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ተፈፂሙ ኢዩ” ብምባል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ዘውፀኦ ፀብፃብ ከምዘይቕበል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ብሓባር ዝገበርዎ ምርመራ ውፅኢት ምስ ዝሃቦ ርካቦት እንትረአ ፀብፃብ ኣሜሪካ ሓዱሽ ነገር ዘይወሰኸ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ እቲ ፀብፃብ ሚዛኑ ዘይሓለወ፤ ንሓደ ወገን ጥራሕ ብገበን ዘነፃፀር ባዶ ውንጀላ ከምዝኾነ ገሊፁ።

መንግስቲ ተሓታትነት ንምንጋስ ብሄራዊ ዘተ ኣማራፅታት ፖሊሲ ሽግግር ፍትሒ ዕላዊ ኣብ ዝገበረሉ ፅባሕ ዝወፅአ ጊዝይኡ ዘይሓለወ ፀብፃብ ኢዩ ኢሉ።

ቤት ዕዮ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ መበገሲኡ ብዘየገድስ እቲ ፀብፃቡ ግን ካልኦት ሓደ ማሕበረሰብ ኣብ ልዕሊ ካሊእ ንምልዕዓልን በሰላ ንምፍጣርን  ንክጥቀሙሉ ዘኽእል ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ብሓፈሻ እቲ ፀብፃብ ገለልተኝነት ዝጎደሎን መቓቓሊ ኣካይዳ ዝሓዘን ኢዩ ኢሉ።

እቲ ፀብፃብ፥ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበርዎ ዑደት ዝተበፅሑ ስምምዕነታት ርክብ ክልቲአን ሃገራት ከምዘመሓይሹ ተስፋ ከምዝገብር ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment