ኣብ እዋን ክረምቲ ካብ ዝለምዑ ዝራእቲ ኣብ 9 ሚሊየን ሄክታር ዝነበረ ከምዝተኣከበ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ እዋን ክረምቲ ኣብ 13 ነጥቢ 4 ሄክታር መሬት ካብ ዝለምዐ ዝራእቲ ኣብ ትሽዓተ ሚሊየን ሄክታር ዝነበረ ከምዝተኣከበ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ልምዓት ዝራእቲ እቲ ሚኒስቴር ኣይተ ኢሳይያስ ለማ፥ ኣብ ክራማት ዓመተ 2012/2013 ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ 13 ነጥቢ 4 ሚሊየን ሄክታር መሬት ብዝራእቲ ተሸፊኑ ከምዝነበረ ገሊፆም።

ካብ ሞንጎ እዚ ኣብ ትሽዓተ ሄክታር መሬት ዝነብ ዝራእቲ ከምዝተኣከበ ዝገለፁ እቶም ዳይሬክተር፥ ኣብ ክልል ትግራይ ዝራእቲ ይሰብሰብ እምበር ዝተዋደደ ሓበሬታ ብዘይ ምህላዉ ኣብቲ ኣሃዝ ኣይተኻተተን ኢሎም።

ኣብ እዋን ክራማት ካብ ትልሚ ንላዕሊ ከምዝተሓረሰ ብምግላፅ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ መብዛሕትኡ ዝራእቲ ከምዝተኣከበን ዝተረፈ ትሕቲ 15 ሚኢታዊ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ልዕሊ 16 ሚሊየን ኩንታል ዘበናዊ ዱኽዒ (ማዳበሪያ) ተዳሊዩ ከምዝነበረ እውን ገሊፆም።

ካብዚ ድማ 80 ሚኢታዊ ኣብ ረብሓ ከምዝወዓለን ዝተረፈ ንልምዓት መስኖን ንቀውዒ ሕርሻን ከምዝውዕል ኣብሪሆም።

ከም ገለፃ እቶም ዋና ዳይሬክተር ቫይረስኮሮና፣ ሓደጋ ውሕጅን ወራር ዕስለ ኣምበጣን ብብርኪ ስድራቤት ኣብ ልዕሊ ዝራእቲ ዝተወሰነ ፅዕንቶ ዘስዐበ ይኹን እምበር ብብርኪ ሃገር ንምርካብ ካብ ዝተሓሰበ ፍርያት ፅዕንቶ ኣየሕደረን ኢሎም።

ካብ እኹል ንላዕሊ ዝናብ ምዝናቡ፣ ኣብ እዋኑ ንሓረስቶት ዝድለ ስልጠናን እታወትን ስለዝተውሃበን ካብቲ ዝድለ ንላዕሊ ምህርቲ ምርካብ ከምዝተኽኣለ ኣብሪሆም።

ፍርያታውነት ንምዕባይ፥ ብብርኪ ሃገር ልዕሊ 3 ሚሊየን ሄክታር መሬት ብኹታ ገጠም ሕርሻ ክለምዕ ተገይሩ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment