ኣብ እዋን ክረምቲ ኣብ ድልድላት ዝበፅሕ ጉድኣት ንምንካይ ኣሽከርከርቲ ኣድላዪ ጥንቃቐ ንኽገብሩ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብ232 ሚሊየን ብር ወፃኢ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ፈሪሶም ዝነበሩ ድልድላት ብምህናፅን ብምፅጋንን ንግልጋሎት ክፍቲ ምግባር ከምዝተኸኣለ ምምሕዳር መገዲታት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ምምሕዳር ዳይሬክተር ስራሕቲ ድልድልን ስትራክቸርን ጌትነት ዘለቀ (ኢ/ር) ከምዝገለፁዎ÷ ኣብ 2015 ዓ.ም ብብርኪ ሃገር ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ፈሪሶም ዝነበሩ ድልድላት ኣብ ምስላጥ ትራንስፖርት ማሕለኻ ፈጢሮም ነይሮም፡፡

“ብፍላይ ኣብ ሰሜን ክፋል ኢትዮጵያ ብጎንፂ ጉድኣት በፂሑዎም ዝነበሩ ድልድላት ብምህናፅን ብምፅጋንን ግልጋሎት ንኽጅምሩ ኣድላዪ ርብርብ ተገይሩ ኢዩ÷ ኢሎም፡፡

ካብዚ ሓሊፉ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ብምኽንያት ሓደጋ ውሕጅ፣ ብልዑ ክብደትን ካልኦት ፀገማትን ፈሪሶም ዝነበሩ ድልድላት ብምህናፅ ግልጋሎት ክጅምሩ ከምዝተገበረ ኣብሪሆም፡፡

ብመሰረት እዚ÷ ኣብ ጀማ፣ ጺላሪ፣ ኣለውሃ፣ ተከዘ፣ ኣደሃ፣ ገራግሌ፣ በኬ፣ ቻርግ፣ ጂማ፣ ጎቡን ካልኦት ሩባታትን ፈሪሶም ዝነበሩ ድልድላት ተሃኒፆም ዳግም ግልጋሎት ከምዝጀመሩ ገሊፆም፡፡

እዚ ንምፍፃም ኣብቲ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት ህንጸጾም ዝተዛዘሙ ሓዊሱ ልዕሊ 232 ሚሊየን ብር ወጻኢ ከምዝተገበረ ኣብሪሆም፡፡

ሕድሕድ ድልድል ልዕሊ 40 ቶን ክብደት ክሽከም ኣይኽእልለን ዝበሉ እቶም ዳይሬክተር÷ እቲ ፀገም ንምንካይ ኣሽከርከርቲ ኣብ ድልድላት ታራ ሓሊዮም ብትምሕልላፍ ክበፅሕ ዝኽእል ጉድኣት ንኽንክዩ ፀዊዖም።

ብመላኩ ገድፍ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment