ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ እዋን በዓላት ዘጋጥሙ ሓደጋታት ንምክልኻል ምድላው ከምዝተገበረ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ባርዕ ሓዊን ስግኣት ሓደጋን ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።
በዓል ሞያ ርክብ ህዝቢ እቲ ኮሚሽን ንጋቱ ማሞ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ፥ ኣብ ዝቕፅል በዓል ሓዱሽ ዓመትን ቀፂሎም ዝኽበሩ በዓላትን ጠለብ ኤሌክትሪክ ብስፍሓት ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ኢዩ፡፡
ብፍላይ ሓዱሽ ዓመት ብመብዛሕትኡ ማሕረሰብ ብሰፊሑ ስለዝኽበር ሓደጋ ከጋጥም ከምዝኽእል ገሊፆም፡፡
ብምዃኑ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ባርዕ ሓዊን ስግኣት ሓደጋን ኣዲስ ኣበባ ኣብ እዋን በዓላት ዘጋጥሙ ሓደጋታት ንምንካይን ንምክልኻልን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናሰርሐ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።
ካብ ሞንጎ እዚኣቶም÷ ኣብ ምንካይ ሓደጋ፣ መልእኽቲ ጥንቃቀ ዝሓዙ በራሪ ወረቓቕቲ ካብ ፅባሕ ጀሚሮም ኣብ ዝተመረፁ ከባቢታት እታ ከተማ ብምክፍፋል ናይ ግንዛበ መውሀቢ መልእኽቲታት ከምዝመሓላለፉ ኣብሪሆም፡፡
ካብ ጥንቃቐ ሓሊፉ ሓደጋ እንተጋጥም ድማ እቲ ሓደጋ ንምቁፅፃር ብሓይሊ ሰብን ማሽነሪታት ምቁፅፃር ሓደጋን ምድላው ከምዝተገበረ ኣፍሊጦም።
እቲ ኮሚሽን ምስ ትካላት ፖሊስ፣ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ማየን ፈሳሲን ብሓባር ከምዝሰርሕ ተዛሪቦም፡፡
ኣብ እዋን በዓላት ኩሎም ስራሕቲ ኣብ ተመሳሳሊ ግዘ ናይ መስራሕ ድሌት፣ ስራሕቲ በዓላት ምሸት ናይ ምውጋንን ኣብ ስምዒት ድኻም ስራሕ ምስራሕ ልምዲ ከምዘሎ ዝገለፁ ኣይተ ንጋቱ÷ እዚ ድማ ንሓደጋ ዘቃልዕ ብምዃኑ ኣድላዪ ጥንቃቐ ክግበር ከምዝግባእ ምዒዶም፡፡
ካብዚ ሓሊፉ ንዘጋጥም ሓደጋ ሓበሬታ ንምሃብ 939 ወይ እውን ቁፅሪ ስልኪ 0111555300 ብምጥቃም ምድዋል ከምዝከኣል ተዛሪቦም፡፡
ብፌቨን ቢሻው
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com