ኣብ እዋን ሪፎርም ስርዓት ዴሞክራሲ ንምህናፅ ብዙሓት ስራሕቲ ተሰሪሖም ኢዮም ኣይተ ዛዲግ ኣብርሃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኣብ እዋን ሪፎርም ስርዓት ዴሞክራሲ ንምህናፅ ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ሚኒስትር መተሓባበሪ ማእኸል ስርዓት ህንፀት ዴሞክራሲ ኣይተ ዛዲግ ኣብርሃ ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ኣብ ፋና ቴሌቪዥን “ዴሞክራታይዜሽንንህብረ ብሄራዊነትን” ብዝብል ርእሲ ኣብ መደብ ስለ ኢትዮጵያ ዝገበሩዎ ፃንሒት፥ “ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ብሓደ ግዘ ዝመፅ ዘይኮነስ ብነዊሕ እዋን ልምዲን ተግባርን ዝምዕብል ኢዩ” ኢሎም፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ስግግር ፖለቲካ ምስተገበረ ስርዓት ዴሞክራሲ ንምህናፅ ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ኣብሪሆም፡፡

ብፍላይ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ናብ ስልጣን ምስ መፅኡ እሱራት ፐለቲካ ከምዝተፈትሑ፣ ናፅነት ሚዲያ ከምዝተኸበረ፣ ትካላት ፀፅታን ካልኦትን ካብ ፖለቲካ ዘይሻራዊ ንኽኾኑ ከምዝተገበሩ እውን እቶም ሚኒስትር ገሊፆም፡፡

ብሄራዊ ምርድዳእ ንምምፃእ ኣብ ሞንጎ ገዛኢ ፓርቲን ተናሓናሕቲ ፓርታትን ዘሎ ኣፈላላይ ምፅባብ ከምዝተኸኣለ ዝገለፁ ኣይተ ዛዲግ፥ ነዚ መርአዪ ድማ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ መራሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ልዕሊ 10 ግዘ ኣኼባ ከምዝገበሩን እዚ ድማ ሰላማዊን ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ፈላማይ ዝኾነ መረጻን ምክያድ ከምዝተኽኣለ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ዴሞክራሲ ምህናፅ ከቢድ ኢዩ፤ ይኹን እምበር ኣብዚ ሕዚ እዋን ኢትዮጵያ ኣብ ሓቀኛ ስግግር ከምትርከብ ገሊፆም፡፡

“ዴሞክራሲያዊ፤ ኣፍልጦ ንምርካብ ዘይኮነስ ሓንቲ ሃገር ናብ ልምዓትን ምዕባለን ንኽትሳገር ዝገብር ኢዩ” ዝበሉ ኣይተ ዛዲግ፥ ንስርዓት ዴሞክራሲ ኢትዮጵያ ዝወቕሱ ምዕራባውያን እታ ሃገር ብዝገበረቶ ለውጢ ረብሐኦም ዝተነኽኦም ከምዝኾኑ ኣብሪሆም፡፡

ምዕራባውያን ብፍላይ ድማ ኣሜሪካ ቅዋም ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ምስተረደአት ንግብረ ራዕዲ ህወሓት ካብ ምሕጋዝ ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ፅንቶታት እናገበረት ከምዝኾነት ተዛሪቦም፡፡

“ይኹን እምበር ብኣሜሪካ ዝሕገዝ ህወሓት ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ምግባር ተሪፉ ንባዕሉ ዘይከላኸለሉ ብርኪ በፂሑ ኢዩ” ኢሎም፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment