ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣድሂቡ ዝተመሓላለፈ መልእኽቲን ሃገራዊ ፃውዒትን!

ሃገርና ኢትዮጵያ ኣብ ዘበናት ዘጋጠሙዋ ፈተናታትን ዝገጠሙዋ ሓይሊታት ክፍኣትን ኩሎም ስዒራ ብምልዓል ተሓፊራን ተኸቢራን ናፅነታ ሓሊያ ነይራ ኢያ። ጀጋኑ ኣዶታትናን ኣቦታትናን ናይ ወፃ ወረርቲ ሓይሊታት ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ውሽጢ ባንዳታት ብምምብርካኽ ናይ ሎሚ ኢትዮጵያ ብነብሶም ተወራሪዶም ንዓና ኣፅኒሖምልና ኢዮም። ብታሪኽ ኣጋጣሚ ሎሚ እውን ዘጥበወ ጡባ፣ ዘኾለሰ ኢዳ ዝነኽሱ ከሓድቲ፣ ከዳኽሙዋን ክብትኑዋንካብ ርሑቕን ቀረባንዝተለዓሉ ሓይሊታት፣ ከዳኽሙዋን ክብትኑዋን ካብ ርሑቕ ምስ ዝተለዓሉ ሓይሊታት ብምምስጣር ተላዒሎም ኢዮም።

ሃገርና ድርዕቶ ድኽነታ ብምድርባይ ናብ ዘይተርፍ ጎደና ዕቤት ንምእታው ተዓጢቓ ኣብ ዝተለዓለትሉ ወሳኒ እዋን፣ ትንሳኤና ዘየሕጉሶም ታሪኻዊ ፀላእትና፣ ጉዕዞና ጠጠው ከብሉ እናተረባረቡ ይርከቡ።

ኣነ ረጊፀ ዘይገዛእኹዋ ሃገር ትዕኖ ዝብል ናይ ክሕደት ፈኸራ እናስመዐ ዝፀንሐ ህወሓት፣ ፀላእትና መዕንደሪ ፈረስ ብምዃን፣ ሰላምና ንምፍራስ ናይ ጥፍኣት ነጋሪት እናነፍሐ ይርከብ።

ከምዝፍለጥ ህዝቢ ኢትዮጵያ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ወያኔ ዝነበሮ ፀገም እናፈለጠ ብዙሓት ዕድላትን 27 ናይ መእረሚ ዓመታትን ሂቡዎ ኢዩ። እቲ ጉጅለ ግን ብሽርሒ ተጠኒሱ ብጥፍኣት ዝዓበየ ስለዝኾነ፣ ዝብእሶ እምበር ዝእረም ኣይኮነን። እቲ ናይ ጥፍኣት ሓይሊ ብቑጠዐ ህዝቢ ካብ ስልጣን ምስተወገደ እውን እንተኾነ ዝተውሃቦ ተደጋጋሚ ናይ መእረምታ ዕድል ንምጥቃም ኣይደለየን።

እኳ ደኣስ ኣብ መቐለ ዓሪዱ ንኢትዮጵያ ንምፍራስ ምስ ናይ ወፃኢ ሓይሊታት ብምሕባር ግዚኡን ዝዘረፎ ገንዘብን እናዘርገሐ ፀኒሑ ኢዩ።

ካብዚ ብዝብገስ ድማ ኣብ መላእ ሃገር ጎንፂ፣ ምምዝባል፣ ዘስካሕኽሕ መቕጠልቲ ብምፍፃምን ብምስፍሕፋሕን ዕለታዊ ተግባሩ ገይሩ ፀኒሑ ኢዩ።

ህዝቢ ትግራይ በቲ ግብረ ራዕዲ ምኽንያት ከይጉዳእ ብዝብል መንግስቲ እቲ ፀገም ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ዘይፈተኖ መገዲ ኣይነበረን። መንግስቲ ፀርፊን ምፍርራሕን እንተየቖጠዖ ክሳብ ናይ መወዳእታ ሰዓት ኩሎም ኣማራፂታት ሰላምን ሽምግልናን ተግባራዊ ገይሩ ኢዩ።

ብተፃራሪ ድማ እቲ ጉጅለ ጥፍኣት ዝፈፀሞም ዝተፈላለዩ ግፍዒታት ከየኣኽሉዎ፣ 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ብዝፈፀሞ ታሪኽ ዘይርሰዖ ጥፍኣት ነገራት ኩሎም ከብ ቁፅፅር ወፃኢ ገይሩዎም ኢዩ።

ጅግና ሰራዊት ምክልኻል እውን ምስ ፍሉይ ሓይሊን ምልሻን ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብምዃን ነቲ ሓይሊ ጥፍኣት ወቒዑ ሓይሉ ብምስባር፣ ኣባላት እቲ ጉጅለ ኣብ ጎዳጉዲ ተምቤን ንኽሕብኡ ተገዲዶም ነይሮም።

ካብ ሞንጎ እቶም ኣመራርሓታት መብዛሕተኦም ከምዝተደምሰሱን ውሑዳት ድማ ኣብ ጣሻታት ኣብ ሰላማዊ ህዝቢን ክሕብኡ ተገዲዶም ኢዮም።

መንግስቲ ጎድና ጎኒ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ፥ ክልል ትግራይ ካብቲ ሓይሊ ጥፍኣት ናፃ ንምግባር፣ ዝፈረሱ መሰረተ ልምዓታት ንምህናፅፅ ህዝቢ ባዕሉ ብባዕሉ ንኸመሓድር ንምግባር፣ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ህዝቢ ንምብፃሕ፣ ኣብ ከይዲ ዝተፈፀሙ ጥፍኣታት ንምእራም፣ ኣገልግሎታት ጥዕናን ትምህርቲን ንኽጅመሩ ንምግባር ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ብሙሉእ ሓይሉ ሰሪሑ ኢዩ።

ኣብቲ ከይዲ ተረፍ መረፍ እቲ ጁንታ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ተሸጒጦም ንህዝቢ ንጥፍኣት እናጎስጎሱ ብዝፈጥሩዎ ናዕቢ ህዝቢ ትግራይ ዝተረጋግዐ ናብራ ክነብር ኣይከኣለን። ዝውርገሐ ሰብኣዊ ሓገዝ ብምትእጉጓ፣ መሰረተ ልምዓታት ከም ብሓዱስ ስራሕ ከይጅምሩ ብምትዕንቓፍ፣ ትካላት ጥዕናን ትምህርቲን ብምዕናው፣ ኣመራርሓታት ከባቢ ብዘስካሕኽሕ ኩነታት ብምቕታል፣ ሓረስቶት ተረጋጊኦም ከየሓርሱ ብምትእጉጓል፣ ተግራባራት መሊስካ ህንፀት ብምትዕንቓፍን ናይ ሙሉእ እዋን ስረሖም ገይሮም ኢዮም።

እቲ ፀገም ንምብእኣስ ብዝደልዩ ሓይሊታት ኢዱ ዝተጠምዘዘ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ እውን ዝተሓላለኸ ፀባይ እቲ ከይዲን ባህሪ እቲ ግብረ ራዕዲን ንምግንዛብ ብዘይ ምድላይ፣ ሓቂ ገዲፉ ኣውያት እቲ ጉጅለ ጥፍኣት ኣጋዊሑ ኢዩ።

እቲ ጉጅለ ኣብ ነዊሕ ዕድመ ስልጣኑ ዝፈፀሞም ዘስካሕኽሑ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ስራሕቲ ምጥፋእ ህልውና ሚሊየናትን ብሱቕታ ዝተዓዘቡ ዓለም ለኸ ኣካላት፣ ሎሚ ናይቲ ጉጅለ ጥፍኣት ዛዕባ ንባዕሎም ዛዕባ መፈፀሚ ስለዝደልዩዎ፣ ንዕዑ ንምድሓን ክብሉ ሰናይ ፃዕሪ መንግስቲ ከምዘይረአዩ ምሕላፍ መሪፆም ኣለዉ።

ከምዝፍለጥ ኣብ ሰላማዊ እዋን እውን እንተኾነ ሲሶ ዝኸውን ህዝቢ ትግራይ ብሓገዝ ሴፍቲኔት ዝነብር ኢዩ።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ፍርያት እውን ብወራር ዕስለ ኣምበጣን ለበዳ ቫይረስ ኮሮናን ህዝቢ ንልዑል ኢኮኖሚያዊ ጉድኣት ከምዝተቓለዐ ይፍለጥ።

ኣብ ሞንጎ እዚ ድማ ኣብ ትግራይ ዝተጀመረ ወፍሪ ካሊእ እዋን ክረምቲ መፂኡ። እቲ ወፍሪ እንተቐፂሉን ክልተ ከርምቲ እንተይተረጋግአ እንተሓሊፉን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝበፅሕ ቀውሲ ልዑል ክኸውን ኢዩ ብዝብል እምነት፣ መንግስቲ በይናዊ ምቁራፅ ተኹሲ ገይሩ ሰራዊት ምክልኻል ካብ ትግራይ ከባቢታት ንኽወፅእ ወሲኑ ኢዩ።

መንግስቲ በይናዊ ምቁራፅ ተኹሲ ክገብር ዝኸኣለ ብቐንዱ ንሓረስታይን ንህዝቢን ኢሉ ከምዝነበረ፤ እዚ ኮይኑ ግብ ህዝቢ ካብቲ ጉጅለ ንዘለኣለም እንተዘይተፈላሊዩ ሓረስታይ ተረጋጊኡ ከሓርስ ከምዘይኽእል ግልፂ ኮይኑ ኣሎ።

ኣሸንኳይ ሓረስታይ ትግራይ ናብ ሕርሽኡ ክምለስ እቲ ግብረ ራዕዲ ጁንታ ኣብ ጎረባብቲ ክልላት ዝርከቡ ሓረስቶት ሕርሸኦም ከየሳልጡ ምትዕንቓፍ ጀሚሩ ኣሎ።

ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ከይበፅሕ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ከይበፅሕን ሰብኣዊ መሰላት ከይኽበሩን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዕንቅፋት ኮይኑ እዩ፡፡እናበለ ብክሲ እዝንና ከፅመና ከምዝኸረመ ዝፍለጥ እዩ፡፡ ሐዚ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር በይናዊ ተኹሲ ደው ምባል ገይሩ ምስ ወፀ ግና ህፃናት ንኰናት እንተሰልፉ፣ረድኤት መሳርሒ ኰናት እንትኾን፣ ኣዴታትን ኣዋልድን እንትድፈራ፣ ትካላት እምነት መለማመዲ ኰናትን መኻዚኖ መሳርሒ ኰናትን እንትኾኑ፣ርዳእታ ዝፀዓና መኻይን ናብ ትግራይ ከይኣትዋ በቲ ጁንታ እንትተኣጓጎላ፣ኣብ ክከልል ዓፋር ኣብ ሓደ ትካል ጥዕና ዘዕቖቡ ልዕሊ 200 ሰባት እንትሓርድ፣ ልዕሊ 300,000 ዜጋታት እንተፈናቕል ማሕበረሰብ ዓለም ከይተረፈ እቲ ሓቂ እንታይ ከምዝኾነ ንምፍላጥ ድልየት ዘለዎ ኣካል ኩሉ ክዕዘብ ኪኢሉ እዩ፡፡

ካብ ሓቂ ንሓሶት ከዳምቑ ዝደልዩ በቲ ተግባሮም ቀፂሎምሉ እዮም፡፡ንፃዕሪ መንግስቲ ግቡእ ዋጋ ምኽለኦም ከይኣክል ብረድኤት ኣመኽንዮም ነቲ ጁንታ ዝድግፍ ተግባር ክፍፅሙ ኢድ ብኢድ ዝተተሓዙ ኣለዉ፡፡

መንግስቲ በይናዊ ደው ምባል ተኹሲ ቅድሚ ምግባሩ ኣብ መቐለ 400 ሽሕኩንታል ናይ ረድኤት እኽሊ 2 ነጥቢ 5 ሚልየን ናይ ምግቢ ዘይቲ፣536,979 ኩንታል መዳበሪያን፣ 37,599 ኩንታል ምሩፅ ዘርእን ብገንዘብ መንግስቲ ተገዚኡ ንድሕንነት ህዝቢ ክበሃል ተቐሚጡ እዩ፡፡ ክሕረስ ካብ ዝኽእል መሬት 70 ሚኢታዊ ክሕረስ ተገይሩ እዩ፡፡ብተወሳኺ 1079 ሜትሪክ ቶን ምግቢ፣664 ቶን መግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ኣቑሑትን 47,740 ሊትሮ ነዳዲን ብመዳርግቲ ኣካላት ናብ መቐለ ኣትዩ ነይሩ እዩ፡፡ድሕሪኡ እውን እንተኾነ መንገዲ ብምምችቻው ቀረብ ረድኤት ንኸይተኣጓጎል ተሰሪሑ እዩ፡፡ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝኸውን በረራ ኣውሮፕላን ተፈቒዱ እዩ፡፡ነዚ ኹሉ ምኽንያቱ በቲ ኣሸባሪ ጁንታ ኣብ ትግራይ ዘሎ ህዝብና ከይፅገም ብምሕሳብ እዩ፡፡

እቲ ከሓዲ ጉጅለ ጁንታ ግና ኢትዮጵያ ንምብታን ካብ ዝተልዓለሉ ናይ ኣሸባሪነት ባህሪኡ ክናገፍ ኣይከኣለን፡፡ጎረባብቲ ህዝብታት ኣምሓራን ዓፋርን ምቕታልን ምዝራፍን ቀፂሉ፡፡ሓረስቶት ከይሓርሱ ከልኪሉ፡፡ናይ ረድኤት መኻይን ናብ ትግራይ ከይኣትዋ ከልኪሉ፡፡

መንግስቲ ኣብ መቐለ ዘዋህለሎ እኽሊ እቲ ጁንታ ኣይዘምቱን ንዝበሎም ሰባት ከይዕደል ኣጊዱ፡፡ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ፍሉይ ሓይሊ ክልላትን መንግስቲ ዝወሰኖ በይናዊ ደው ምባል ተኹሲ ብምኽባር ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ዋላኳ ይቆጠቡ እምበር፤እቲ ኣሸባሪ ግና ልቢ ልቢ ተሰሚዕዎ ናይ ጥፍኣት ስርሑ ቀፂሉሉ እዩ፡፡

ኣቦታት ሃይማኖት ብፀሎት ሽማግለታት ዓዲ ብምኽሪ ኩሉ ዜጋ ብኽእለቱ  ንኢትዮጵያ ደው ይበል፡፡ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዘለኹም ኣዴኹም ፃውዒት ተቕርበልኩም ኣላ፡፡በቃ ኢልና እንተተላዒልና ኣብ ቅድሜና ደው ዝብል ሓይሊ ከምዘየለ ታሪኽ ምስክር እዩ፡፡እቲ ውግእ ህዝቢ ትግራይ መሕቢኢኦም ምስዝገበሩ እዩ፡፡

ኢትዮጵያ ብፃዕሪ ደቃ ተሓፊራን ተኸቢራን ንዘልኣለም ክትነብር እያ፤ስምና እውን ኣብ መዝገብ ታሪኽ ብጅግንነት ተመዝጊቡ ክነብር እዩ፡፡

ፈጣሪ ኢትዮጵያን ህዝባን ይባርኽ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment