ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ብዝምልከት ካብ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ዝተውሃበ መግለፂ፦

ስምምዕነት ፕሪቶሪያ መበገሲኡን መብፅሒኡን ሕገ-መንግስቲን ሕገ-መንግስዊ ትካላትን ምኽባር ኢዩ!

ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ብዝተመሓየሸ ኣዋጅ መረፃ ቁፅሪ 1332/2016 ዓንቀፅ 2 (1) መሰረት
ንህወሓት ምስክር ወረቐት ምዝገባ ከምዝሃበ ገሊፁ ኣሎ። መንግስቲ ሕገ መንግስታዊ ትካላት ብሕጊን
ትካላዊ ናፅነትን ዝውስኑዎ ውሳነ ይቕበል። ይንእድ። ሓደ ፍረ ለውጢ ስለዝኾነ።

ህወሓት ሕጋዊ ሰውነቱ ዝሰኣነ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ብኣዋጅ ምዝገባን ስነ-ምግባርን ፓርቲታት ፖለቲካ መሰረት ብምግባር ብዘመሓላለፎ ውሳነ ከምዝኾነ ይዝከር። ቦርድ መረፃ እቲ ፓርቲ ኣብ ምንቅስቓስ ሓይሊን ዓመፅን ብምስታፉ ምዝገባ እቲ ፓርቲ ንኽስረዝ ንኽስረዝ ብምውሳኑ፤ ህወሓት ሕጋዊ ሰውነቱ ምስኣኑ ይፍለጥ። እዚ ውሳነ ቦርድ መረፃ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ንህወሓት ራዕዳዊ ኢሉ ቅድሚ ምፍራጁ ዝተመሓላለፈን ርእሱ ክኢሉ ጠጠው ዝብልን፣ ናይ ባዕሉ ሓጋዊ መሰረት ዘለዎን ውሳነ ኢዩ።

ስምምዕነት ፕሪቶሪያ እንትፍፀም መንግስቲ ፌዴራል ኣብቲ ስምምዕነት ዝኣተዎ ግቡእ ናይ ህወሓት ራዕዳዊ ፍረጃ ንኽለዓል ሕጋዊ ከይዲ ናይ ምቅልጣፍ ሓላፍነት ኢዩ (ናይቲ ስምምዕነት ዓንቀፅ 7 (2) (C):: መንግስቲ ፌዴራል ናይ ጉዳይ ሕጋዊ ሰውነትን ምዝገባን ህወሓት ብዝልከት ኣብ ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ዝወሰዶ ዝተፈለየ ሓላፍነት ወይ እውን ግቡእ ኣይነበረን። ከምኡ እውን ህወሓት ብመሰረት ስምመዕነት ፕሪቶሪያ ዓንቀፅ 7 (1) (A) ስልጣን ሕገመንግስቲ እታ ሃገር፣ ሕጊታት፣ ትካላት ፌዴራልን ካልኦት ሕገ መንግስታዊ ትካላትን ናይ ምኽባር ግቡእ ኣትዩ ኢዩ። ብምዃ ድማ ህወሓት ሕጊ ምዝገባ ፓርቲታት ፖለቲካ እዛ ሃገርን ስልጣን ቦርድ መረፃን ብምኽባር ናይ ምስራሕ ግቡእ ከምዘለዎ ግልፂ ኢዩ።

ስለዝኾነ ድማ፤ ብመንፅር ስምምዕነት ፕሪቶሪያ እንትረአ እውን ጉዳይ ሕጋዊ ሰውነት ህወሓት ኣግባብነት ብዘለዎ ሕጊን ብመሰረት ኣሰራርሓ ብሄራዊ ቦርድ መረፃን ጥራሕ መዕለቢ ክረክብ ዝግበኦ ጉዳይ ኢዩ። መንግስቲ ፌዴራል
ኣብዚ መዳይ ምስ ኣመራርሓ ብሄራዊ ቦርድ መረፃን ህወሓትን ተደጋጋሚ ምይይጣት ብምግባር፣ ህወሓት ከም ፖለቲካ ፓርቲ ሕጋዊ ኣፍልጦ ንኽህልዎ ኩነታት ንምምዕርራይ ፃዕሪ እናገበረ ፀኒሑ ኢዩ። ኣብዚ መዳይ ቅዋም ብሄራዊ ቦርድ መረፃ፣ ህወሓት ዝኾነ ይኹን ሓዱሽ ፖለቲካ ፓርቲ ብዝምስረተሉ ስርዓትን ኣግባብን መሰረት ብምግባር ከምብሓዱሽ ብምውዳብ ክምዝገብን ኣፍልጦ ክረክብን ይኽእል፣ ካብዚ ወፃኢ ግን ሕጋዊ ሰውነት ክረኽበሉ ዝኽእል ሕጋዊ ኣሰራርሓ የለን ዝብል ኢዩ ነይሩ። ብወገን ህወሓት ዝነበረ ቅዋም ነባርን ዕድመ ፀገብን ፖለቲካዊ ውድብ ስለዝኾንኩ ከም ሓዱሽ ፓርቲ ክምዝገብ ኣይግባእን፣ እቲ ጉዳይ ናይ ሕጊ ጥራሕ ዘይኮነ ፖለቲካዊ ስለዝኾነ ዝተፈለየ ፖለቲካዊ ውሳነ ይደሊ ኢዩ ዝብል ኢዩ።

እዞም ዝተፈላለዩ ቅዋማትን ጠለባትን ኣብ ግምት ብምእታው፣ ሰላም ናይ ምፅናዕ ኣድላይነት፣
ከምኡ እውን ናፅነትን ዘይሻራውነትን ትካላት ዴሞክራሲ ብዘገናዘበ መልክዑ እቲ ጉዳይ መዕለቢ ንመሃብ
ዝሐሸ መገዲ፣ ህወሓት ኮነ ካልኦት ኣብ ዕጥቃዊ ምንቅስቓስ ዝርከቡ ጉጅለታ ናብ ሕጋዊ መስመር ክመፅኡ ዝኽእሉሉ መገዲ ዘመዓራሪ መመሓየሺ ሕጊ ምግባር ከምዝኾነ ብመንግስቲ ፌዴራል ተኣሚኑሉ ኣድላዪ መመሓየሺ ሕጊ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪቡ ፀዲቑ ኢዩ።

ብመሰረት እዚ ኣዋጅ መረፃ ኢትዮጵያ፣ ምዝገባን ፓርቲታት ፖለቲካን ስነ-ምግባር መረፃን ምስተመሓየሸ፣ ብድንጋገታት እቲ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ መሰረት ህወሓት ሕጋዊ ሰውነት ንኽክብ ነምግባር ኣድላዪ ወይ እውን ቅድመኩነት ዝኾነ ስምምዕነት ሰላም ምፍፃም ኣመልኪቱ ሚኒስቴር ፍትሒ ንቦርድ መረፃ ደብዳበ ፅሒፉ ኢዩ። በዚ ድማ ጉዳይ ሕጋዊ ሰውነት ህወሓት መዕለቢ ንኽረክብ ብወገን መንግስቲ ክግበር ዝኽእል ዝኽእሎ ኩሉ ተገይሩ ኢዩ። መንግስቲ ፌዴራል ልዕሊ ፍርቂ ርሕቐት ከይዱ፣ ብመሰረት ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ትፅቢት ካብ ዝግበረሉን ካብ ዘለዎ ግቡእን ሓሊፉ ምስ ቦርድ መረፃን ህወሓትን ኣብቲ ጉዳይ ተኸታታሊ ልዝባት ገይሩ ኢዩ።

ብዝተገበረ መመሓየሺ ሕጊ መሰረት ቦርድ መረፃ ንህወሓት ብምምዝጋብ እቲ ውድብ ሕጋዊ ሰውነትን ኣፍልጦን ክህልዎ ነቲ ቦርድ ናይ ምትሕብባር ሕቶ ኣቕሪቡ ኢዩ። እዚ ስዒቡ ድማ ህወሓት ሕጋዊ ሰውነትን ኣፍልጦን ንምርካብ ትፅቢት ዝግበረሉ ናይ ፓርቲ ሰነዳቱ ማለት እውን ፕሮግራምን ሕገ ደንቢን፣ እቲ ፓርቲ ከምኡ እውን ካልኦት ተተሓሓዝቲ ሰነዳት ናብ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ብምቕራብ ብመሰረት ዝተመሓየሸ ኣዋጅ ተመዝጊቡ ሕጋዊ ሰውነት ረኺቡ ኣሎ።

ስለዝኾነ ድማ ጉዳይ ምዝገባን ሕጋዊ ሰውነትን ኣብዚ ብምዝዛም፤ ናይ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ርብርብ፣ ሰላም ኣብ ምፅናዕ፣ ኣብ ዳግመ ህንፀትን ልምዓትን ኣጀንዳ ክኸውን ይግባእ። ዘየድሊን ንህዝቢ ዘይጠቅምን፣ ትርጉም ዘይብሉ ጭቕጭቕ ብምውጋድ ንህዝቢ ረብሓ ኣብ ዘለዎም ዓበይቲ ዛዕባታት ሰላምን ልምዓትን ክነድህብ ይግባእ።

6 ነሓሰ 2016 ዓ.ም

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment