ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳይ ጠሚቱ ካብ ክልላት ዝተውሃበ መግለፂ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳይ ጠሚቱ ካብ ክልላዊ መንግስታት ዝተውሃበ መግለፂ።

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስታት ኦሮሚያ፣ ዓፋር፣ ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ፣ ሶማሌ፣ ሃረሪ፣ ደቡብን ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያን ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳይ ኣመልኪቶም መግለፂ ኣወፂኦም።

ሃይማኖት ሽፋን ብምግባር ፖለቲካዊ ዕላማ ንምዕዋት ዝግበር ምንቅስቓስ ተቐባልነት ከምዘይብሉ እቶም ክልላዊ መንግስታት ገሊፆም።

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ÷” ከይዲ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዙሓት ንኾርዐሎም ክብሪታት ሓድነት፣ ጅግንነት፣ ንሃገራዊ ህልውናን ሉኣላዊነትን ብሓደ ጠጠው ምባል፣ ሓቢርካ ምውዳቕ በተግባር ዝተርኣየሉ ከምዝኾነ ገሊፁ።

እቲ ክልል ኣብ መግለፂኡ÷ “ሕዚ ንምረሐሉ ዘለና ሕገ-መንግስታዊ ህብረ ብሄራዊ ፌዴራላዊ ስርዓት ንዘበናት መልሲ ስኢኖም ንሕድሕድ ኲናት ዘቃልዑና ሕቶታት መንነት፣ ዓርሰ ምሕደራን ማዕርነት ሃይማኖትን ሕጋዊን ሕገ-መንግስታትን መሰረት ብዘለዎ መልክዑ ምላሽ ሂቡዎ ኢዩ” ኢሉ።

ዋላ እኳ ኣብ ኣተገባብራ ፌዴራላዊ ስርዓትና ብፍላይ ኣብ ሞንጎ ሃገራዊን መንነት ብሄርን ሚዛን ዘይምሕላው፣ ኢድ ኣእታውነት፣ ሓቀኛ ዴሞክራሲን ህንፀት ትካላትን ክፍተታት የሃልዉ እምበር÷ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኢትዮጵያ ባዕሎም ንባዕሎም ናይ ምምሕዳር መሰል ክሳብ ምግንፃል፣ ብቋቆኦም ምጥቃምን ምምሃርን፣ ብቋቆኦም ምድናይ፣ ባህሎምን መንነቶምን ምድንፋዕን ማዕርነት ሃይማኖትን መሰሎም ተጎናፂፎም ኢዮም፤ እዞም ሰብኣዊን ዴሞክራሲያዊን መሰላት ድማ ንድሕሪት ከይምለሱ ተኸኣኢሎም ሓደ ኢኮኖሚያዊ ማሕበረሰብ ንምህናፅ ቃል ኪዳኖም ብዘፅንዑሉ ሕገመንግስቲ ውሕስና ረኺቡ ኢዩ” ክብል ኣፍሊጡ።

ይኹን እምበር ማዕርነት ከም በደል ዝርእዩ ውሑዳት ኣካላት ታሪኻዊ ኣመፃፅኣ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘይምግንዛብ ዝኣረጉ ተረኻት ብምንፅብራቕ ሎሚ እውን ከም ትማሊ ኣነ እንተዘይወሰንኩ ብምባል ንባዕሎም ዝሰፈዩዎ ክዳን ምኹሉ ንምኽዳን ፃዕሪ እናገበሩ ክዝርከቡ ገሊፁ።

እዞም ሓይሊታት ኣብ ሞንጎ ኣቦታት እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ክፍፍል ሽፋን ብምግባር እኩይ ፖለቲካዊ ዕላማ ንምፍፃም እናተንቀሳቐሱ ከምዝርከቡ ኣብሪሁ፡፡

ብምዃኑ ሰላምን ድሕንነትን ክልልና ንምንጋዕ ዝግበሩ ምንቅስቓሳት ብምቅላዕ ሕብረተሰብ ናይ ባዕሉ ግደ ንኽፃወት ፃውዒት ዘቕረበ እንትኸውን÷ መንግስቲ እቲ ክልል መንግስቲ ፌዴራል ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ንምኽባር ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታ ዘውፀኦ መግለፂ ብምድጋፍ ኣድላዩ ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝወስድ ኣፍሊጡ፡፡

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ዓፋር ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ÷ ድማ ኢትዮጵያ ቀዲመን እምነታ ካብ ሞንጎ ዝተቐበላን ንህዝቢ ዓለም ኣርኣያ ዝኾናን ሃገራት ከምትስራዕ ኣብሪሁ።

ትካላት እምነት ክጠናኸሩን ሕጋዊ መሰረት ሒዞም እምነቶም ከሰጉሙን ምግባር ንምጥንኻር ሃገራዊ ሓድነትን ንሃገራዊ ጉዳይ ቅድሚት ንመሃብን ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ እውን ገሊፁ።

ዝኾነ ይኹን ሃይማኖት ከለላ ብምግባር ዝግበሩ ድሕነነት ሃገርን ህዝቢን ኣብ ሓደጋ ዘውድቁ ምንቅስቓሳት ከምዝቃወም ዝገለፀ መግለፂ ክልል ዓፋር÷ሃገር ናብ ናዕቢ ብምእታው ዝርከብ ከስቢ ስዘየለ፤ ሰላማዊ ከይዲ ምኽታል ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ቤኒንሻንጉል ብግድኡ÷ ኣብ ሞንጎ ኣቦታት እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ብውሽጣዊ ኣሰራርሓ እታ ቤተ ክርስቲያን ብሰላማዊ መገዲ ንኽፍታሕ ፀዊዑ።

መንግስቲ እቲ ክልል ሕገ-መንግስቲ መሰረት ብምግባር ዝኾነ ይኹን ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ናይ መኽባር ሓላፍነቱ ከምዝዋፃእ ኣተሓሳሲቡ።

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ሶማሌ ኣብ ዘውፆ መግለፂ÷ ድሕሪ ለውጢ ኣብ ዘለዉ ዓመታ ሕገ-መንግስታዊ መምርሒታት መሰረት ብምግባርን ብምኽባርን ብዙሓት ስራሕቲ እናሰርሐ ከምዝፀንሐ ገሊፁ።

“ኣብ ውሽጢ ትካላት ሃይማኖት ዝፍጠሩ ዘይምርድዳኣት ብቐንዱ መፍትሒ ክረኽቡ ዝኽሉ ብውሽጣዊ ኣሰራርሓታት እተን ትካላት ከምዝኾነ መንግስቲ የኣምን” ኢሉ።

ብምዃኑ ሃይማኖት ሽፋን ብምግባ ድሕንነት ሃገርን ህዝቢን ናብ ሓደጋ ዘውድቑ ምንቅስቓሳት እቲ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ከምዝቃወሞም ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ክልል ሶማሌ÷ ሕገመንግስቲን ውሳነ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ፉዴራልን መሰረት ብምግባር ዝኾነ ይኹን ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ኣብ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሓላፍነቱ ከምዝዋፃእ ኣገንዚቡ።

መንግስቲ ክልል ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ደቡብ ብግድኡ÷ መንግስቲ እቲ ክልል ሕገ-መንግስቲ መሰረት ብምግባር ዘይሕጋዊ ምንቅስቓሳት ብምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕጊ ናይ ምኽባር ሓላፍነቱ ከምዝዋፃእ ገሊፁ።

መንግስቲ ክልል ሃረሪ እውን ስልጣን ብዝተውሃቦ ኣካል ዘይተፈቐደን ስግኣት ድሕንነት ዝፈጥርን ዘይሕጋዊ ጎስጓስ ሰልፊ ምግባር ግቡእ ከምዘይኮነን ሕገ-መንግስቲ መሰረት ብምግባር ዝኾነ ይኹን ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ኣብ ምክልኻልን ምቁፅፃር ሕጊ ናይ ምኽባር ሓላፍነቱ ከምዝዋፃእን ኣፍሊጡ።

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ጋምቤላ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ÷ ኣብ ውሽጢ ትካላት እምነት ዝፍጠሩ ዘይምርድዳኣት ብናይ ባዕሎም ኣሰራርሓ ክፍትሑ ከምዝግባእ እምነቱ ኣገንዚቡ፡፡

“ኣብ ውሽጢ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ፀገም ካብ ሃይማኖታዊ ጉዳይ ሓሊፉ ዝተሓላለኸን ብዙሓት እኩይ ዕላማ ዘለዎም ሓይሊታት ተዋዲዶም ኢትዮጵያ ንምድኻም ርብርብ እናተገበረ ከምዝኾነ ንምርዳእ ተኻኢሉ ኢዩ” ክብል ክልላዊ መንግስቲ ደቡብ ምእራብ ኢትዮጵያ ገሊፁ።

ነዚ ስዒቡ ብክልቲኡ ወገን 5 ለካቲት ዝተፀወዐ ሰልፊ ኣብ ሰላምን ድሕነንትን ህዝቢ እቲ ክልል ፀገም ዝፈጥር ስለዝኾነ ብመንግስቲ ዘይተፈቐደ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ መንግስቲ ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ንምርግጋፅ ሕገመንግስታዊ ሓላፍነቱ ንምውፃእ ኣብ ዝገብሮ ምንቅስቓስ መላእ ህዝቢ እቲ ክልል ምትሕብባር ንኽገብር ፃውዒት ኣቕሪቡ።

እቶም ክልላዊ መንግስታት ኣብ ዘውፅኡዎ መግለፂ÷ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ፌዴራል ዝወሰኖ ውሳነ ከምዝድግፉ ኣረጋጊፆም።

Comments (0)
Add Comment