ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳይ ኣድሂቡ ንሰብ ሞያ ኪነ-ጥበብን ኣትሌታትን ገለፃ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳይ ኣድሂቡ ንሰብ ሞያ ኪነ-ጥበብን ኣትሌታትን ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ገለፃ ተገይሩ።

እቲ መድረኽ፥ ሰብሞያታት ኪነ-ጥበብን ኣትሌታትን ኣብዚ ሕዚ እዋን ሀገር ዘለትሉ ኩነታት ብዕቱብ ንኽትከታተሉን ሚዛናዊ ግንዛበ ንኽሕዙ ንምግባር ዝዓለመ ኢዩ።

ኣብቲ ዝተሳለጠ መድረኽ፥ “ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዝተሓብአ ከሓዲ ጉጅለን ሃገራ ሓድነትናን” ብዝብል ፅሑፍ ቀሪቡ።

መንግስቲ ዝጀመሮ ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ ቅድሚ ምግባሪ ካብ እዋን ለውጢ ጀሚሩ ኣፈላላያት ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ዝገበሮም ከይዲታት እውን ቀሪቦም።

ሰብ ሞያ ኪነ-ጥበብ፥ ብፍልጠቶም፣ ብሞየኦምን ብልምዶምን ሃገር ክትቅፅል ኣብ ዝግበር ርብርብ ሓገዝ ንኽገብሩ ፃውዒት ቀሪቡ።

ብኣላዛር ታደለ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment