ኣብ እኒ ጄነራል ታደሰ ወረደ መዝገብ ክሲ ዝተኸሰሱ 74 ተኸሰስቲ ንምስማዕ ተለዋጢ ቆፀሮ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጄኔራል ታደሰ ወረደን ሌተናል ጄኔራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤን ሓዊሱ ኣብ 74 ተኸሰስቲ ዝተተመስረተ ክሲ ዓቃቢ ሕጊ ንምስማዕ ተለዋጢ ቆፀሮ፡፡

ኣብ መዝገብ ክሲ እኒ ጄኔራል ታደሰ ወረደ ዝተኻሰሱ ወታደራዊ ኣመራርሓን ኣባላትን ጉጅለ ህውሓት ኢዮም ዝተብሃሉ ብሃፈሻ 74 ተኸሰስቲ እንትኾኑ፥ ካብ ሞንጎ እዚኣቶም 20 ተኸሰስቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ጉዳዮም ኣብ ቤት ፍርዲ እናተርኣየ ይርከብ።

እቶም ተኸሰስቲ ካብ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ልኡኽቶ ተቐቢሎም ወታደራዊ ጉጅለ ብምድላው ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን፣ ፌዴራል ፖሊስ፣ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን መጥቃዕቲ ብምፍፃም ብገበን ተኸሲሰሶም ብዓቃቢ ሕጊ ዘፈር ሕጊ ዝተወደቡን ዶብ ሰገር ጉዳያት ገበን ዓቃቢ ሕጊ ክሲ ከምዝመስረተሎም ይፍለጥ።

ቤት ፍርዲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዘይወዓሉ 54 ተኸሰስቲ ፖሊስ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ብምትሕብባር ንኸቕርቦም ብዝተውሃቦም ተደጋጋሚ ተለዋጢ ቆፀሮ ብዘይምቕራቦም ስዒቡ ፖሊስ ዘየቕረበሉ ምኽንያት ንኸርድእ ተኣዚዙ ነይሩ።

ነዚ ስዒቡ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል እቶም ተኸሰስቲ ነበር ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ከምዝነበሩ ብምፅራሕ፤ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ብምዃን ኣብቲ ኲናት እናተሳተፉን እናመርሑን ከምዝነበሩ ኣብሪሁ ኢዩ፡፡

ዓቃቢ ሕጊ ብግድኡ፥ ተኸሰስቲ ዝተኸሰሱሉ ገበን ሕጊ ልዕሊ 12 ዓመት ዘቕፅ ስለዝኾነ ብምሕባር ብጋዜጣ ፃውዒት ንኽግበረሎም እንተዘይቀሪቦም ግን እቲ ቤት ፍርዲ ብስነ-ስርዓት መቕፅ ሕጊ ገበን መሰረት ብምግባር ዘይተተሓዙ 54 ተኸሰስቲ ብጋዜጣ ፃውዒት ንኽግበረሎም ትእዛዝ ከምዝተውሃበ ትካል ፕሬስ ዝወፅአ ፃውዒት ባዜጣ ውፅኢት ንምፅባይ ን8 ለካቲት 2014 ዓ.ም ተለዋጢ ቆፀሮ ሂቡ ከምዝነበረ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ እቲ ቤት ፍርዲ ንትማሊ 8 ለካቲት 2014 ዓ.ም ኣብ ዝሓዞ ቆፀሮ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዘይወዓሉ 54 ተኸሰስቲ 16 ጥሪ 2014 ዓ.ም ኣብ ዝተሓተመ ኣዲስ ዘመን ገዜጣ ኣብ 21 ገፅ ፃውዒት ዝተገበረሎም ከምዝኾነ ኣረጋጊፁ።

ብመሰረት እዚ ቤት ፍርዲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዘይወዓሉ 54 ተኸሰስቲ ኣብ መጋባእያ ስለዘይቀረቡ እቲ መዝገብ ኣብ ዘየለዉሉ ንኽረአ ብምውሳን ክሲ ዓቃቢ ሕጊ ንምስማዕ ን22 ለካቲት 2014 ዓ.ም ተለዋጢ ቆፀሮ ሂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment