ኣብ እኒ ኣይተ ስብሓት ነጋ ምስክር ቅድመ ምርመራ ዓቃቤ ሕጊ ንምስማዕ ዝተትሓዘ ቆፀሮ እንተይተሰምዐ ተኣጊዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ እኒ ኣይተ ስብሓት ነጋ ምስክር ቅድመ ምርመራ ዓቃቤ ሕጊ ንምስማዕ ዝተትሓዘ ቆፀሮ እንተይተሰምዐ ተኣጊዱ።

እኒ ኣይተ ስብሓት ነጋ ኣብ ከይዲ ምስማዕ ምስክር ቅድመ ምርመራ ብዝምልከት ናብ ላዕለዋይ ቤት ይርዲ “ይግባይ” ምባሎም ይዝከር።

ነዚ ስዒቡ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣራዳ ምድብ መጋባእያ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ምስክር ቅድመ ምርመራ እኒ ኣይተ ስብሓት ነጋ ንምስማዕ መጋባእያ ተሰይሙ ነይሩ።

ይኹን እንበር ኣብ ኣሰማምዓ እቲ ምስክርነት እግድ ስለዝተነበረ እቲ አግድ ክሳብ ዝለዓል ነቲ መዝገብ ከምዝተዓፀወ ተገሊፁ።

ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ “ይግባይ” ንዝተብሃለሉ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሎሚ መዓልቲ ክርክር ነክግበረሉ ብዝብል ዘመልከተ እንትኸውን፥ ትሕቲ ሓደ ሰሙን ኣበ ዝኾነ ግዘ ምክርኻር ኣይክእልን ክብል እቲ መጋባእያ ምላሽ ሂቡ።

ስለዝኾነ ን6 ሚያዚያ 2013 ዓ.ም ኣብቲ ይግባይ ከርክር ንምግባር ተለዋጢ ቆፀሮ ተዋሂቡ።

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment