ኣብ እስራኤል ፍርያት ቡን ኢትዮጵያ ንምፍላጥ ዝሕግዝ መድረኽ ዘተን ኤግዚቢሽንን ተሳለጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍቢሲ)ኣብ እስራኤል ፍርያት ቡን ኢትዮጵያ ንምፍላጥ ዝሕግዝ መድረኽ ዘተን ኤግዚቢሽንን ተሳለጡ።
 
ፍሉይ ልኡኽን በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደርን ፌዴሪኢ ረታ ኣለሙ፥ ኢትዮጵያን እስራኤልን ኣብ ዘፈር ንግዲ ዘለወን ምትእስሳር ከጠናኽራ ይግባእ ኢሎም።
 
እቲ ኤምባሲ፥ ናይ ኢትዮጵያ ቡን ኣብ እስራኤል ንኽፍለጥን ሰፊሕ ምትእስሳር ዕዳጋ ንኽረክብን ምስ ማሕበረሰብ ንግዲ እስራኤል ብምትሕብባር ንምስራሕ ድሉው ከምዝኾነን እውን ገሊፆም።
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ እስራኤልን ዳይሬክተር ምብራቓዊን ደቡባዊን ክፍሊ ኣፍሪካን ኣምባሳደር ያሄል ቪላን ብግደኦም፥ ክልቲአን ሃገራት ብመንፅር ዘለወን ምሕዝነት እንትረአ ልውውጥ ንግደን ንምምዕባል ብሓባር ክሰርሓ ከምዝኽእላ ኣብሪሆም።
 
ማሕበረሰብ ንግዲ እስራኤል ፍርያት ቡን ኢትዮጵያ ንኽዕድጉን ምትእስሳር ንግዲ ክልቲአን ሃገራት ንምጥንኻርን፥ መንግስቲ እስራኤል ኣድላዪ ዘበለ ሓገዝ ከምዝገብር እውን ኣፍሊጦም።
 
ኣብቲ መድረኽ፥ እስራኤል ካብ ኢትዮጵያ ትዕድጎ ቡና ንምዕባይ ነጋዶ ቡን ክልቲአን ሃገራት ተቐራሪቦም ክሰርሑ ከምዝግባእ ተገሊፁ።
 
ፍልፍል፦ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ እስራኤል
Comments (0)
Add Comment