ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብኣተሓባባራይነት ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ እስራኤል መድረኽ ዘተ መርበብ ሓበሬታ ተኻይዱ፡፡
ኣብቲ መድረኽ ዝተሳተፉ ኣብ እስራኤል ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ሃገሮም ንምድጋፍ ዝገብሩዎ ኣስተዋፅኦ ኣጠናኺሮም ንምቕፃል ቃል ኣቲዮም፡፡
ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ወይዘሮ ሰላማዊት፥ ኣብ እስራኤል ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ሃገሮም ንምድጋፍ ዝገበሩዎ ኣስተዋፅኦ ብምምስጋን ዳያስፖራታት ንሃገራዊ ፕሮጀክታት ይኹን እዋናዊ ፃውዒት ዝገብሩዎ ሓገዝ ዝበለፀ ውፅኢታዊ ንኽኸውን ውዳበታት ንኽጥቀሙ ሓቲተን።
ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ እስራኤል ረታ ኣለሙ ብግደኦም፥ ኣብ አርስራኤል ልዑል ቁፅሪ ዘለዎ ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ከምዝርከብን ዳያስፖራ ንሃገሩ ዝገብሮ ሓገዝ ብዝተዋደደ መልክዑ ስለዘይስራሕ ብመንፅር ቁፅሩ ፅዕንቶ ምፍጣር ከምዘይተኸኣለ ምግላፆም ካብ ቤት ኤጄንሲ ዳያስፖራ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።