ኣብ ኤምባሲ ኣሜሪካን እንግሊዝን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሰልፊ ተቓውሞ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምዕራባውያን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘካይዱዎ ኢድ ኣእታውነትን ዘጋውሑዎ ናይ ሕሶት ሓበሬታን ዝኹንን ሰልፊ ተቓውሞ  ኣብ ኤምባሲ ኣሜሪካን እንግሊዝን ተኻይዱ።

ተሳተፍቲ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ኤምባሲ ሩሲያ ኣብ ዝበፅሉ እዋን ድማ ሩሲያ ንኢትዮጵያ እናገበረቶ ትርከብ ሓገዝ ኣመስጊኖም።

መበገሲኡ ኣራት ኪሎ ብምግባር ናብ እንግሊዝን ኣሜሪካን ኤምባሲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ እቲ ሰልፊ ተቓውሞ፥ ሓርበኛ ኣቦታትን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ተሳቲፎምሉ።

ቲ ሰላማዊ ሰልፊ ሰዓት ሸውዓተ ምክያድ ዝጀመረ እንትኸውን፥ ዝተፈላለያ ተሸከርከርቲ ን10 ደቒቕ ዘኣክል መብራህቲ ብምብራህን ድምፂ ብምስማዕን ነቲ ተቓውሞ ዓጂበንኦ።

ኣብቲ ሰልፊ ዝተሳተፉ ክፋላት ሕብረተሰብ ሓቂ ኢትዮጵያ ንምሕባእ ከምዘይረአዩ ንምሕላፍ ዝደልዩ ምዕራባውያንን ሚዲያታቶምን ቀትሪ መዓልቲ ፋኑስ ብምብራህ ሓቂ ከሓብኡ ከምዘይኽእሉ ኣፍሊጦም።

ብሃበነዮም ሲሳይ

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment