ኣብ ኣፍሪካ ደቂ ኣንስትዮ ብምግራዝ ኣብ ዓመት 44 ሺሕ ጎራዙ ህይወተን ይስእና – መፅናዕቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣፍሪካ ብምኽንያት ምግራዝ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዓመት 44 ሺሕ ዝኾና ጎራዙ ህይወተን ከምዝስእና ሓደ መፅናዕቲ ኣመልኪቱ።

ዕላዊ ዝኾነ ውፅኢት መፅናዕቲ ትኹረት ዝገበረ÷ ኢትዮጵያ ፣ ቤኒን ፣ ቡርኪና ፋሶ ፣ ካሜሩን ፣ ቻድ ፣ ኮት ዲቯር ፣ ግብፂ ፣ ጊኒ ፣ ኬንያ ፣ ማሊ፣ ኒጀር ፣ ናይጄሪያ ፣ ሴኔጋል ፣ ሴራሊዮንን ታንዛኒያን ኣብ መፅናዕቱ ብምክታት ኢዩ፡፡

ኣብተን ሃገራት ብኤች. ኣይ. ቪ / ኤድስ፣ ንፍዮ ፣ ኣንቅፂ፣ ሕፅረት ዝተመጣጠነ ምግቢ፣ ኣካላዊ ሓደጋ ፣ ትኽትኽታን ካልኦትን ካብ ዝሞታ ደቂ ኣንስትዮ ንላዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ብምግራዝ ህይወተን ዝስእና ደቂ ኣንስትዮ ቁፅረን ምዝዛይድ ኣብ ‘ኔቸር ሳይንቲፊክ’ ዝወፅአ መፅናዕቲ ፀሪሑ ኔሽን ኣፍሪካ ፀብፂቡ፡፡

ብምኽንያት ምግራዝ ደቂ ኣንስትዮ ህይወተን ዝስእና ጎራዙ ቁፅረን 50 ሚኢታዊ ከምዝዓበየ ከምኡ እውን ዕድሚአን ሓሙሽተ እንተይመልአ ህይወተን ዝስእና ቁፅረን ከምዝወሰኸ እውን ኣመልኪቱ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment