ኣብ ኣፍሪካ ዓውዲ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኣብ ረብሓ ምትግባር ኩለመዳይ ዕቤት ክውዕል ይግባእ – ም/ቀ/ሚ ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣፍሪካ ዓውዲ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ብምድንፋዕ ኣብ ኣብ ረብሓ ምትግባር ኩለመዳይ ዕቤት ክውዕል ከምዝግባእ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

ም/ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፣ ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቴዎድሮስ ምህረት፣ ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ኢንጂነር ወርቁ ጋቸና (ዶ/ር)፣ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ሰብ ሞያን መናእሰይን ኣብ ዝተረኸቡሉ 3ይ ኮንፈረንስ ፓን ኣፍሪካ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ይሳለጥ ኣሎ።

ደንጒያ ናብ ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ ዝኣተወት ኣፍሪካ ንመፍትሒ ፀገማት እቲ ዓውዲን ንቅልጡፍ ዕቤትን ብሰፊሑ ኣብ ረብሓ ምውዓል ከምዝግባእ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ኮንፈረንስ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዘለዎ ኣስተዋፅኦን ኣተገባብርኡን ዘረድኡ መፅናዕታዊ ፅሑፋትን ምርምራትን ቀሪቦም።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብቲ እዋን÷ ኢትዮጵያ ብኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ዕዙዝ ስራሕ ንምትግባር ትኹረት ሂባ እናሰርሐት ከምትርከብ ሓቢሮም፡፡

“ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ብትምህርቲ፣ ብስልጠናታትን ምርምር ብምብቃዕ ኣፍሪካውያን እዚ ዓውዲ ክንጥቀመሉ ይግባእ” ኢሎም።

ብፍሬህይወት ሰፊው

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment