ኣብ ኣፍሪካ ክሌማ ኣብ ምልማድ ልዑል ለውጢ ከምዝመፅእ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ተዛሪበን

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉመን፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)“ፕሮግራም ምቅልጣፍ ምልማድ ኣፍሪካ“ ኣብ ኣፍሪካ ክሌማ ኣብ ምልማድ ልዑል ለውጢ ከምዝመፅእ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ተዛሪበን።

እተን ፕሬዚዳንት ኣብ ሆላንድ ሮተርዳም ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ማእኸል ምልማድ ኣፍሪካ(African Adaption Summit) መደረ ኣስሚዐን።

ኣብ መደረአን፥ ኣብ ኣፍሪካ ብምኽኒያት ለውጢ ክሌማ ውሕስነት ምግቢ፣ ምርባሕ እንስሳትን እቶት ሰበኽ ሳግምን ዘሎ ልዑል ፅዕንቶ፣ ኣለሻ ማይን ምምዝባል ህዝብን የስዕብ ኣሎ ክብላ ኣተሓሳሲበን።

“ይኹን እንበር ኣብ መንጎ ፀገማት ተስፋ ኣሎ” ዝበላ እተን ፕሬዚዳንት፥ ኢትዮጵያ ኣብ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ደገፍ ኣብ ፍሪያት ስርናይ ልዑል ለውጢ ተመዝግብ ከምዘላ ከምኡውን ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብዙሓት ቦታታት ፈልሲ ንክጣየሽን ቢሊየን ፈልስታት ኣብ ዓመት ንምልማዕን ከምዝኸኣለት ገሊፀን።

ኣብ ኣፍሪካ ክሌማ ኣብ ምልማድ ልዑል ለውጢ ከምዝመፅእ ድማ እተን ፕሬዚዳንት ተዛሪበን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

Comments (0)
Add Comment