ኣብ ኣፍሪካ በዝሒ ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት ካብ 200 ሺሕ ዛይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኣፍሪካ በዝሒ ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት 219 ሺሕን 509 ከምዝበፅሐ ተገሊፁ።

እቲ ተላባዲ ሕማም ኣብ ኣህጉር ኣፍሪካ ብቕልጡፍ እናተስፋሕፈሐ ምዃኑ ውድብ ጥዓና ዓለም ገሊፁ ኣሎ።

ቫይረስ ኮሮና ኣብ ሃገራት ኣፍሪካ ካብ ርእሰ ከተማታት ሓሊፉ ናብ ካልኦት ከባቢታት እናተዛመተ ከምዝርከብ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኣፍሪካ ማሺዲሶ ሞኤቲ ገሊፆም።

መመርመሪ መሳርሒታትን ካልኦት ቀረባትን ድሩት ምዃን ዝርገሐ እቲ ሕማም ንምፍላጥ ኣፀጋሚ ከምዝገበሮ እውን ኣገንዚቦም።

ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 7 ነጥቢ 6 ሚሊየን ሰባት ዘጥቀዐ ቫይረስ ኮሮና፥ ኣብ ኣፍሪካ እውን 219 ሺሕን 509 ሰባት ከም ዝተትሓዙን 5 ሺሕን 881 ሰባት ህይቶም ከምዝሓለፈን ገሊፆም።

ካብ ኣፍሪካ ደቡብ ኣፍሪካ ልዑል ቁፅሪ ዘለዎም ሰባት በቲ ቫይረስ እናተትሓዙን ህይወቶም እናሰኣኑን ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ 50 ሺሕን 568 ሰባት በቲ ቫይረስ እንትተሓዙ፥ 1 ሺሕን 284 ሰባት ድማ ህይወቶም ሓሊፉ ኢዩ።

ግብፂ 39 ሺሕን 726 ዝተትሓዙ፣ 1 ሺሕን 277 ሞት ብምምዝጋብ ካልአይቲ፤ ናይጀርያ 14 ሺሕን 554 ዝተትሓዙ 387 ሞት ብምምዝጋብ ኣብ መበል ሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዓ ኣላ።

ኣፍሪካ ብብርኪ ዓለም ካብ ዘሎ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ትሕቲ ሰለስተ ሚኢታዊ ዝተመዝገበ ዋላ ይኹን እምበር፥ እቲ ለበዳ ብቕልጡፍ እናተስፋሕፈሐ ይመፅእ ምህላዉ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ ክብሉ እቶም ዳይሬክተር ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ድማ ዝርገሐ እቲ ይረስ ንምቁፅፃር ጥንኩር ጥዕና ማሕበረሰብ ምውዳድ፣ ርሕቐት ምሕላውን ካልኦት ኣድለይቲ ዝኾኑ መከላኸሊ መገዲታት ምትግባርን ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ኢትዮጵያ 2 ሺሕን 670 እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት ብምምዝጋብ ካብ ኣፍሪካ ኣብ መበል 16 ደረጃ ዝተሰርዐት እንትትከውን፥ ካብ ውሽጢ እዚኣቶም እቶም 40 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ ኢዩ።

ፍልፍል፡- ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment