ኣብ ኣፈፃፅማ መምርሒ ሓዱሽ ወሰኽ መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ተዘቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ስቪል ሰርቪስ ኣብ ኣፈፃፅማ መምርሒ ሓዱሽ ወሰኽ መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዝጠመተ ዘተ ምስ ሓለፍቲ ቢሮ ስቪል ሰርቪስ ክልልን ምምሕዳራት ከተማን ዘቲዩ።

ኣብቲ ዘተ፥ ኮሚሽነር ስቪል ሰርቪስ መኩሪያ ሃይሌ (ዶ/ር)፣ሓለፍቲ ቢሮ ስቪል ሰርቪስ ክልልን ምምሕዳራት ከተማን ዝምልከቶም ሞያተኛታትን ተሳቲፎም።

ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴ፥ ሓዱሽ ወሰኽ መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝግበር ምግላፆም ይዝከር።

Comments (0)
Add Comment