ኣብ ኣፈታትሓ ጎንፂ፣ መንነትን ምሕደራ ወሰንን ስምዕታ ምቕባል፣ ኣተሓሕዛን ምላሽ ኣወሃህባን ረቂቕ መምርሒ ዝምልከት ልዝብ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባላት ኮሚቴ መተሓባበሪን ማኔጅመንትን ኣብ ረቂቕ መምርሒ ኣፈታትሓ ጎንፂ፣ መንነትን ምሕደራ ወሰንን ስምዕታ ምቕባል፣ ኣተሓሕዛን ምላሽ ኣወሃህባን ተዛቲዮም።

ኣፈጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣይተ ኣገኘሁ ተሸገር ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፥ እቲ ቤት ምኽሪ ክፅናዕ ገይሩ ተግባራዊ ዝገበሮ ሪፎርም ውፅኢታዊ ንምግባር ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝወፅኡ ኣዋጃት ዝተፈላለዩ ደምቢታትን መምርሒታትን ብምፅዳቕን ክፈተታት ኣሰራርሓን ኣወዳድባን ፈልዩ ብምምላእ ስራሕቲ ብውፅኢታዊነት ክፍፅም ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዝነበሩ እዋናት ኣቀባብላ ስምዕታ፣ ኣተሓሕዛን ኣወሃህባ ምላሽን መምርሒ ብዘይምንባሩ፤ ዝተፈላለዩ ክፍተታት ብምምላእ እቲ ስርዓት ግልፂ፣ ቅልጡፍ፣ ተበፃሒን ፍትሓዊን ንኽኸውን ንምግባር ምስራሕ ከምዝግባእ ተመልኪቱ፡፡

ስለዝኾነ ድማ ስምዕታ ዘቕርቡን ዝምልከቶም ኣካላትን ተግባሮም ስርዓት ብዘለዎ መልክዑ ንኸሳልጡ ዘኽእል ስርዓት ኣሰራርሓ ኣድላዪ ከምዝኾነ ብምብራህ ዝርዝር ናይቲ ረቂቕ መምርሒ ኣይተ ጴጥሮስ ኣቕሪቦም።

ኣባላት ኮሚቴ መተሓባባሪን ማኔጅመንትን ኣብቲ ረቂቕ መምርሒ ብዕምቆት ብመዝታይ ክካተቱ ዝግበኦም እታወታት ንኽካተቱ  ኣንፈት ከምዘቐመጡ ካብ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ዝረኀብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment