ኣብ ኣጣየ ብግብረ ራዕዳውያን ህወሓትን ሸኔን ዝዓነዉ መንበሪ ኣባይቲ ንምህናፀ እምነ ኹርናዕ ተነቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካል ገባሪ ሰናይ ኔትዎርክ ንማሕበራዊ ፍትሒ ኢትዮጵያ ካናዳውያን ኣብ ኣጣየ ብግብረ ራዕዳውያን ህወሓትን ሸኔን ዝዓነዉ መንበሪ ኣባይቲ ንምህናፅ እምነ ኹርናዕ ኣንቢሩ።

ከንቲባ ምምሕዳር እታ ከተማ ኣሰልፍ ደርቤ ከምዝገለፁዎ፥ ኣብታ ከተማ ህወሓትን ሸኔን ብሓባር ብምዃን 420 መንበሪ ኣባይቲን 50 ግሮሰሪን ሆቴልን ኣዕኒዮም፤ ልዕሊ 250 ሰባት እውን ቀቲሎም ኢዮም።

እታ ከተማ መሊስካ ንምህናፅ እውን ክሳብ ሕዚ ብዝተሰርሐ ስራሕ ህንፀት 45 ገዛውቲ ብማሕበር ልምዓት ይፋትን መንግስቲን ከምዝተጀመሩ ብምግላፅ፤ ዝተረፉ ኣባይቲ ንምህናፅ ስራሕቲ ከምዝተጀመሩ እቶም ከንቲባ ገሊፆም።

ሎሚ መዓልቲ ድማ ትካል ገባሪ ሰናይ ኔትዎርክ ንማሕበራዊ ፍትሒ ኢትዮጵያ ካናዳውያን ብኣተሓባባራይነት ማሕበር ልምዓት ኣምሓራ 160 ሺሕ ዶላር ብዝኾነ ወፃኢ ፈለማ ትሽዓተ ኣባይቲ ንምስራሕ ተረኪቦም ኣለዉ ኢሎም።

ስራሕቲ ምህናፅ ዝፈረሱ ኣባይቲ ክቕፅል ኢዩ ዝበሉ ምክትል ፕሬዚዳንት እቲ ገባሪ ሰናይ ትካል ኣይተ ማርቆስ ተገኝ፥ ተወሳኺ ኣባይቲ ንምህናፅ ትልሚ ተታሒዙ ኢሎም።

ብኣላዩ ገረመው

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment