ኣብ ኣዲስ ኣበባ 831 ሚሊየን ብር ወፃኢ ብምግባር ማእኸል መቆፃፀሪ ትራፊክ ክህነፅ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ 831 ሚሊየን ብር ወፃኢ ብምግባር ዘመናዊ ማእኸል መቆፃፀሪ ትራፊክ ንምህናፅ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ተፈሪሙ።

ኣብቲ ሰነድ ቢሮ ኮንስትራክሽን ከተማ ኣዲስ ኣበባን ኩባኒያ ኮሙዩኒኬሽንን ኮንስትራክሽንን ቻይናን(ሲ ሲ ሲ ሲ) ክታሞም ኣምቢረሙሉ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝህነፅ ዘመናዊ ማእኸል መቆፃፀሪ ትራፊክ፥ መረዳእታታት ናይ ምእካብ፣ መብራህቲ ትራፊክ ናይ ምቅይያርን  ፍሰት ትራፊክ ዘስተኻኽሉ ዝተፈላለዩ ስጉምቲታት ናይ ምውሳድን ስራሕቲ ዝፍፀመሉ ኢዩ።

ብተወሳኺ ገናሕቲ መካይን ኩነታት ትራፊክ መገዲታት ኣቐዲሞም ንክፈልጡን ኣማራፅታት ንክወስዱን ዘኽእል መረዳእታ ናይ ምቕራብ፣ ሕጊታት ትራፊክ ዝጥሕሱ ገናሕቲ መካይን ፈሊኻ ንምፍላጥ ከምኡ እውን ፍሰት ትራፊክ፣ መረዳእታታት ሓደጋን ድሕንነትን ናብ ዝምልከቶ ኣካል ንምልኣኽ ዘኽእል ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ እቲ ፕሮጀክት ተሃኒፁ ተግባራዊ እንትኸውን፥ ኣብታ ከተማ ዝርአ ፍሰትን ምጭንናቕን ትራፊክ ከምዝቕንስ ተሓቢሩ።

Comments (0)
Add Comment