ኣብ ኣዲስ ኣበባ 779 ሺሕ ንዝኾኑ ተምሃሮ ግልጋሎት ምገባ እናተውሃበ ምዃኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንልዕሊ 779 ሺሕ ተምሃሮ ግልጋሎት ምገባ ከምዝተውሃበ ኤጀንሲ ምገባ እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣፍሊጡ፡፡

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ወ/ሮ ሽታዬ መሃመድ ከምዝገለፀኦ÷ ኣብዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ሓገዝ ዝደልዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ንምሕጋዝ ኣብ ኣቢያተ ትምህርቲ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ተሳሊጦም፡፡

“ብመሰረት እዚ ኣብታ ከተማ ካብ ቅድመ ስሩዕ ክሳብ 8ይ ክፍሊ ዝርከቡ ተምሃሮ ትምህርቶም ብግቡእ ኩነታት ክከታተሉ ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዘ ግልጋሎት ምገባ ተዋሂቡ” ኢለን፡፡

በዚ ድማ ልዕሊ 779 ሺሕን 231 ተምሃሮ ግልጋሎት ምገባ ተጠቃሚ ምግባር ከምዝተኽኣለ እተን ዋና ዳይሬክተር ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪበን፡፡

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment