ኣብ ኣዲስ ኣበባ 60 ሚኢታዊት ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ፕሮጀከት መናእሰይ ልምምድ ስራሕ ተረባሕቲ ከምዝኾና ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ 60 ሚኢታዊት ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ፕሮጀከት መናእሰይ ልምምድ ስራሕ ተረባሕቲ ከምዝኾና ምኽትል ከንቲባን ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ኢንዱስትሪን ኢንተርፕራይ ስረሕ ጃንጥራር ዓባይ ተዛሪቦም፡፡

ኣይተ ጃንጥራር ዓባይ ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ ኣብ ፕሮጀክት መናእሰይ ልምምድ ስራሕ 60 ሚኢታዊት ዝኾና መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮ ተረባሕቲ ይኾና እየን ተባሂሉ።

ኣብ ፈላማይ ምዕራፍ፤ ኣብ ዝተመረፃ 36 ወረዳታት 10 ሽሕን 500 መናእሰያት በቲ ፕሮጀክት ተረባሕቲ ንምግባር ዘኽእል ቅድመ ምድላው ምግባሩ ብምግላፅ፤ ክሳብ ሕጂ ኣብ 36 ወረዳታታት 27 ሽሕን 297 መናእሰያት ምምዝጋበን ተዛሪቦም።

ነተን መናእሰያት ተቐቢሎም ከሰልጥኑ ዝኽእሉ 1ሽሕን 505 ትካላት ናይ ምፍላይን ን378 ኣሰልጠንቲ ስልጠና ምሃቡን ካብ ቢሮ ልምዓት ኢንዱስትሪን ኢንትፕርይዝ ስራሕን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

እተን መናእሰያት ድሕሪ ስልጠና ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ኣትየን ን6 ወርሒ ልምምድ ስራሕ ክገብራ እየን ተባሂሉ።

እቲ ፕሮጀክት ብብርኪ ሃገር 70 ሽሕ፤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድማ 49 ሽሕ መናእሰያት ተረባሕቲ ከምዝገብር ተገሊፁ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

Comments (0)
Add Comment