ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብሓገዝ መንግስቲ ሕቡራት ዒሚተ,ረታት ዓረብ ኣቢሉ ምስ ዋዲ ኣልሲደር ኮመርሻል ኢንቨስትመንት ሊያቢሊቲ ሊሚትድ ኩባንያ ብምትሕብባር ኣብታ ከተማ 30 ሺሕ ናይ ሓባር መንበሪ ኣባይቲ ንምህናፅ ዘኽእል ስምምዕነት ተፈራሪሙ።
እቲ ሰነድ ስምምዕነት ምክትል ከንቲባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤን ተወከልቲ ከዋዲ ኣልሲደር ኮመኘርሻል ኢንቨስትመንት ሊያቢሊቲ ሓላፊፍቱ የተወሰነ ናይ ውልቀ ኩባንያን ብቪዲዮ ኮንፈረንስ ፈሪሞምዎ፡፡
በስምምነቱ ወቅትም ምክትል ከንቲባ ወይዘሮ አዳነች አቤቤ ÷ በከተማዋ የሚታየውን የመኖሪያ ቤት ፍላጎት እና አቅርቦት ለማጣጣም የተለያዩ አማራጭ የቤት ልማት ፕሮግራሞችን በመንደፍ እና ተግባራዊ በማድረግ ነዋሪዎችን የቤት ባለቤት ለማድረግ በልዩ ትኩረት እየተሰራ ይገኛል ብለዋል
እተን ምክትል ከንቲባ፥ ኣብታ ከተማ ዘሎ ጠለብን ቀረብን መንበሪ ኣባይቲ ንምጥዕዓም ዝተፈላለዩ ኣማራፂታት መደብ ልምዓት መንበሪ ኣባይቲ ብምሕንፃፅን ተግባራዊ ብምግባርን ነበርቲ ወነንቲ ኣባይቲ ንምግባር ብፍሉይ ትኹረት እናተሰርሐ ይርከብ ኢለን፡፡
ስለዝኾነ ድማ ኣብ ዝቕፅሉ 5 ዓማውቲ ድሌት ኣባይቲ ንምምላእ ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ምስ ዝርከቡ ኩባኒያታት ብምውዳድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ልዕሊ 1 ሚሊየን መንበሪ ኣባይቲ ንምህናፅ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ገሊፀን፡፡
ስለዝኾነ ድማ እቲ ምምሕዳር ከተማ ብሓገዝ መንግስቲ ሕቡራት ዒሚተ,ረታት ዓረብ ኣቢሉ ምስ ዋዲ ኣልሲደር ኮመርሻል ኢንቨስትመንት ሊያቢሊቲ ሊሚትድ ኩባንያ ብምትሕብባር ኣብ ክፍለ ከተማ ቃሊቲ ኣብ ልዕሊ 68 ነጥቢ 4 ሄክታር መሬት ቀዳማይ ዙር 30 ሺሕ መንበሪ ኣባይቲ ንምህናፅ ሰነድ ስምምዕነት ከምዝተፈራረመ ኣፍሊጠን፡፡
ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ህንፀት መንበሪ ኣባይቲ ዝተዋፈሩ ክልተ ዓለም ለኸ ኩባኒያታት ኣብ ዘፈር ልምዓት ገዛ ንምስታፍ ምንቅስቓስ ከምዝተጀመረ ኣብሪሀን።
ኣብ ዝሓለፉ 16 ዓማውቲ ልዕሊ 300 ሺሕ ናይ ሓባር መንበሪ ኣባይቲ ተሃኒፆም ንነበርቲ ዝተመሓላለፉ እንትኾኑ፥ ልዕሊ 139 ሺሕ ኣብ ህንፀት ከምዝርከቡን ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ልዕሊ 51 ሺሕ ገዛውቲ ናብ ተመዝገብቲ ንምምሕልላፍ ምድላዋት እናተገበሩ ከምዝርከቡ ካብ ፕሬስ ሴክሬታሪያት እቲ ምምሕዳር ከተማ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…
ይግበሩ/ራ!