ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንምግብነት ክውዕል ተባሂሉ ዝውዛዕ ዝነበረ “ኣፍላቶክሲንን ዝተጠቕዐ 22 ሺሕን 700 ኪሎ ግራም ዝተበላሸወ በርበረ ካብ ረብሓ ወፃእ ክኸውን ተገይሩ።
እቲ ብር 4 ነጥቢ 5 ሚሊየን ግምታዊ ዋጋ ዘለዎ በርበረ ብመሰረት ሕብረተሰብ ዝሃቦ ሓበሬታ በምሓዝ ከምዝተጉሓፈ በዓል መዚ ምግብን መድሓኒትን እታ ከተማ ኣፍሊጡ።
ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኾነ ኣፍላቶክሲን ከምዝተረኸቦ ብምግላፅ፥ ምስ ምኽባር ደንቢ፣ ቤት ፅሕፈት ንግዲን ፖሊስን ብምውዳድ ክውገድ ከምዝተገበረ ተገሊፁ።
ሕብረተሰብ ዝኾነ ይኹን ፍሪያት አንትዕድግ ፅርየቱን ድሕንነቱን ዝሓለወ ምዃኑ ብምርግጋፅ ንክዕድግን ዘይሕጋዊ ኣሰራርሓ እንትርእይ ብናፃ መስመር ሰልኪ 8864 ሓበሬታ ነክህብ ፃውዒት ቀሪቡ።