ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፈተና 12 ክፍሊ ብዕዉት ንምዝዛም ስራሕቲ ቅድመ ምድላው ይስርሑ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝወሃብ ብሄራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ብዓወት ንኽዛዘም ስራሕቲ ቅድመ ምድላው እናተሰርሑ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ቢሮ ትምህርቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ፥ ብሄራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ንምፍፃም ኣብ ምምሕዳር ከተማ ምስ ዝተወደቡ ኣባላት ኮማንድ ፖስት ዘተ ኣካይዱ፡፡

ካብ 29 ጥቅምቲ ክሳብ 2 ሕዳር 2014 ዓ.ም ብብርኪ ሃገር ዝወሃብ ብሄራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ዕዉት ኮይኑ ንኽዛዘም ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ቅድመ ምድላዋት እናተሰርሑ ከምዝኾኑ እቲ ቢሮ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ብሄራዊ ፈተና ብዕዉት ኩነታት ንምዝዛም ምድላው ተገይሩ ኢዩ ዝበሉ ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ዘላለም ሙላቱ፥ ይኹን እምበር ዝተወሰና ናይ ውልቀ ኣቢያተ ትምህርቲ ክሳብ ሕዚ ኣድሚሽን ካርድ ንተምሃሮአን ከምዘየብፃሓ ሓቢሮም፡፡

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ 62 ጣቢያታት ፈተና 36 ሺሕን 415 ተምሃሮ ብሄራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ከምዝወስዱን ነዚ ዝመርሑን ዘተሓባብሩን 2 ሺሕን 600 ኣፈፀምቲ ፈተና ምልመላ ከምዝተገበረ ካብ ፕሬስ ሴክሬታሪያት ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

Comments (0)
Add Comment