ኣብ ኣዲስ ኣበባ ግዕዙይ ኣሰራርሓ ኣብ ልዕሊ ዝፈፀሙ ልዕሊ 12 ሺሕ ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ምምሕዳራዊ ስጉምቲ ተወሲዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ግዕዙይ ኣሰራርሓ ኣብ ልዕሊ ዝፈፀሙ ልዕሊ 12 ሺሕ ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ምምሕዳራዊ ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ቢሮ ፐብሊክ ሰርቪስን ልምዓት ሃፍቲ ሰብን ኣፍሊጡ።

ፀገማት ሰናይ ምምሕዳር ካብ ዝረአዩለን ትካላት፥ በዓል መዚ ምኽባር ደንቢ፣ ቢሮ ፍትሒ፣ ቢሮ ሰላምን ፀፅታን፣ ዕድጊትን ምምሕዳር ንብረትን፣ ምምሕዳር መሬት ብቐዳምነት ዝርቁሑ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ኣማኻሪ ሓላፊ ቢሮ ፐብሊክ ሰርቢስን ልምዓት ሓይሊ ሰብን እታ ከተማ ኤፍሬም ግዛው፥ ኣብተን ትካላት ዝረኣዩ ፀገማት ኣወሃህባ ኣገልግሎት ንምፍታሕ ፃዕሪ ክግበር ከምዝፀንሐ ገሊፆም።

ዳይሬክተር ልምዓት ሓይሊ ሰብ እቲ ቢሮ ዮሐንስ ኣበበ ብግደኦም፥ ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ኣብ 46 ትካላት ግዕዙይ ኣሰራርሓ ኣብ ልዕሊ ዝፈፀሙ  12 ሺሕን 500 ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ምምሕዳራዊ ስጉምቲ ተወሲዱ

እቲ ስጉምቲ ካብ ፅሑፍ መጠንቀቕታ ጀሚሩ ክሳብ ምብራር ዝበፅሕ ምዃኑ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

Comments (0)
Add Comment