ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝኾነ ይኹን ሕፅረት ነዳዲ ከምዘየለን ወሰኽ ዋጋ ከምዘይተገበረን ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝኾነ ይኹን ሕፅረት ነዳዲ ከምዘየለን ወሰኽ ዋጋ ከምዘይተገበረን ቢሮ ንግዲ እታ ከተማ ተገሊፁ።

ኣመራርሓታትን ሓለፍቲ ቤት ፅሕፈት ክፍለ ከተማማታትን ቢሮ ንግዲ ምምሕዳር ከተመማ ኣዲስ ኣበባ ኣብዚ ሰሙን እናተርኣየ ዝቐነየ ሕፅረት ነዳዲ ብዝምልከት ዘተ ኣካይዶም።

ሓላፊ ቢሮ ንግዲ ምምሕዳር ኣይተ ዓብዱልፈታሕ የሱፍ ከምዝገለፁዎ፥ ኣብ ዝሓለፉ መዓልቲታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሕፅረት ነዳዲ ኣጋጢሙ ብዝብል ኣብ ሓደሓደ መከፋፈልቲ ነዳዲ ታራ ከምዝበዝሐ ተራእዩ ኢዩ።

ይኹን እምበር ዝኾነ ይኹን ዓይነት ሕፅረት ነዳዲ ይኹን ወሰኽ ዋጋ ከምዘይተገበረ ኢዮም እቶም ሓላፊ ዝገለፁ።

እቲ ፀገም ኣብ ሓደሓደ መከፋፈልቲ ነዳዲ ኣብ ከባቢ መወዳእታ ወርሒ ለውጢ ዋጋ ክግበር ኢዩ ብዝብል እቲ ነዳዲ ንመሓዝ ብዝገበሩዎ ዘይሕጋዊ ስራሕ ምኽንያት ዝተፈጠረ ምዃኑ እቲ ቢሮ ብዝገበሮ ክትትል ምርግጋፁ ተዛሪቦም።

እቲ ቢሮ ንግዲ ነዙይ መሰረት ብምግባር ኣብታ ከተማ ዘለዉ መከፋፈልቲ ነዳዲ ስርዓት ቁፅፅር ብምጥንኻር ኣብ ውሽጢ ሓፂር መዓልቲ እቲ ፀገም ንምስትኽኻል ከምዝሰርሕ እቶም ሓላፊ ምግላፆም ካብ ፕሬስ ሴክሬተሪያት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment