ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ሰልፊ ድጋፍ ብሰላም ንኽዛዘም ኣድላዪ ቅድመ ምድላው ከምዝገበረ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ሰልፊ ድጋፍ ብሰላም ንኽዛዘም ኣድላዪ ቅድመ ምድላው ከምዝገበረ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ፡፡

በምኽንያት እቲ ሰልፊ ምጭንናቕ ትራፊክ ከይፍጠር ዝተወሰኑ መገዲታት ንተሽከርቲ ከምዝዕፀዉ እውን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ፡፡

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሰናደአ ሰልፊ ድጋፍ ፅባሕ ቀዳም 28 መጋቢት 2016 ዓ.ም ኣብ ኣደባባይ መስቀል ክካየድ ኢዩ፡፡

እቲ ሰልፊ ብሰላም ተጀሚሩ ንኽዛዘም ዘኽእል ቅድመ ምድላው ብምግባር ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ፡፡

ተሳተፍቲ እቲ ሰልፊ ድጋፍ ንሓባርዊ ድሕንነት እንትበሃል ፍተሻ ከምዝህሉ ብምግንዛብ ንኣካላት ፀፅታ ንኽተሓባበሩ እውን ኣተሓሳሲቡ፡፡

ብተመሰሳሊ በምኽንያት እቲ ሰልፊ ምጭንናቕ ትራፊክ ከይፍጠር ዝተወሰኑ መገዲታት ንተሽከርቲ ከምዝዕፀዉ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዝገለፀ እንትኸውን÷ ኣሽከርከርቲ ካልኦት ኣማራፂ መገዲታት ብምጥቃም ንትእዛዝ ኣባላት ፖሊስ ትራፊክ ተሓባበርቲ ንኽኾኑ ሓቲቱ፡፡

ብምዃኑ ኣብቲ ዕለት ካብ ወጋሕታ ሰዓት 11፡ 00 ጀሚሩ እቲ ሰልፊ ድጋፍ ክሳብ ዝዛዘም፦

  • ካብ ቴዎድሮስ ኣደባባይ ብብሄራዊ ቴኣትር ናብ መስቀል ኣደባባይ ዝወስድ መገዲ ኣብ ቴዎድሮስ ኣደባባይ
  • ካብ ኡራኤል ኣደባባይ ናብ መስቀል ኣደባባይ ዝወስድ መገዲ ኣብ ኡራኤል ኣደባባይ፤
  • ካብ ቦሌ ኣቅጣጫ ናብ መስቀል ኣደባባይ ዝወስድ መገዲ ኣብ ታሕተዋይን ላዕለዋይን ከምኡ እውን የማንን ፀጋምን ኦሎምፒያ ኣደባባይ፤
  • ካብ መስቀል ፍላወር ናብ ኦሎምፒያ ዝወስድ መገዲ ኣብ ጋዜቦ ኣደባባይ፤
  • ካብ ጎተራ መቀላጠፊ ናብ መስቀል ኣደባባይ ኣብ ኣጎና ሲኒማ
  • ካብ ቅ/ቂርቆስ ቤ/ክርስቲያን ብሓዱሽ መገዲ ናብ መስቀል ኣደባባይ ንዝኸዱ ኣብ ለገሃር መብራት፤
  • ካብ ሜክሲኮ ናብ መስቀል ኣደባባይ ቴሌ ንዝጓዓዙ ኣብ ለገሃር መብራት፤
  • ካብ ጌጃ ሰፈር ናብ መስቀል ኣደባባይ ንዝመፅኡ ተሽከርከርቲ ኣብ ሰንጋተራ ትራፊክ መብራት፤
  • ካብ ሃራምቤ መብራት ወይ ድማ ካብ ኣምባሳደር ሲኒማ ናብ መስቀል ኣደባባይ ኣብ ሃራምቤ መብራት፤
  • ካብ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ናብ መስቀል ኣደባባይ ዝወስድ መገዲ ኣብ ጥቓ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ
  • ካብ ካዛንቺስ ሼል ናብ ባምቢስ ዝወስድ መገዲ ኣብ ጥቓ ካዛንቺስ ሼል
  • ካብ ጁፒተር ሆቴል ናብ ECA ዝወስድ መገዲ ኣብ ጥቓ ባምቢስ ሳልኮት ህንፃ ንተሸከርቲ ከምዝዕፀዉ ብምግንዛብን ኣማራፂ መገዲታት ብምጥቃምን ኣባላት ትራፊክ ፖሊስ ብዝሕብሩዎም ኣንፈታት ብምጉዓዝ ኣድላዪ ምትሕብባር ንኽገብሩ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዝተፀርሑ መገዲታት ካብ ሎሚ ምሸት 12 ሰዓት ጀሚሩ እቲ ሰልፊ ክሳብ ዝዛዘም ተሽከርከርቲ ጠጠው ኣቢልካ ምኻድ ወይ ድማ ምሕዳር ዝተኸልከለ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ፡፡

ሕብረተሰብ ንፀፅታ ስጋኣት ዝኾኑ ዘጠራጥሩ ነገራት እንተሙዎ ብ011-1-26-43-59 ፣ 011-5-52-63-02/03፣ 011-5-52-40-77፣ 011-5-54-36-78ን 011-5-54-36-81 ከምኡ እውን ብናፃ መስመር ስልኪ 987፣ 991ን 816 ጥቆማ ብመሃብን ኣድላዪ ምትሕብባር ብምግባር ናይ ባዕሉ ብፅሒት ንኽዋፃእ እቲ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment