ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሳለጠ ሰልፊ ደገፍ ብሰላም ምዝዛሙ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ፥ መስቀል ኣደባባይ ዝተሳለጠ ሰልፊ ደገፍ ብሰላም ምዝዛሙ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀጥታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ።

ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ካብ 11 ክፍላተ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝመፅኡ ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብን ዝተሳተፉሉ እቲ ሰልፊ ድጋፍ ብሰላም ምዝዛሙ ኢዩ ተገሊፁ።

ህዝቢ ኣብ ጎኒ ኣካላት ፀፅታ ብምስላፍ ንዝገበሮ ኣበርክቶ እቲ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ናእድኡ ምግላፁ ኣብ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment