ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ሕቡራት ኢሚሬታት ዓረብ መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ክፍፅሙ ሓሲቦም ዝነበሩ 15 ኣባላት ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ቀይዲ ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ሕቡራት ኢሚሬታት ዓረብ መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ንምፍፃም ብሕቡእ እናተንቀሳቐሱ ዝነበሩ 15 ኣባላት ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ቀይዲ ውዒሎም።

ካብ ወፃኢ ሃገር ኣባላት ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ልኡኽቶ ብምቕባል ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ሕቡራት ኤሚረታት ዓረብ መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ብምፍፃም ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረተን ጉድኣት ንምብፃሕ፤ ከምኡ እውን መቐመጢት ትካላት ዲፕሎማሲ ኣፍሪካን ዓለም ለኸ ትካላትን ዝኾነት ኣዲስ ኣበባ ምስላ ንምብልሻውን ኣብ ምድላው እናሃለዉ ብሄራዊ ኣገልግሎት መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ብዝገበሮ ዝተዋደደ ክትትል ምስ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራልን ካልኦት ኣካላት ፀፅታን ብምዃን 15 ተጠርጠርቲ ኣባላት ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክውዕሉ ምግባሩ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣገልግሎት ናብ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ ከምዝሓበሮ፥ ዝተወደበ ሕቡእ ጉጅለ ኣጣይሾምን ካብ ናይ ወፃኢ መቀነባበርቲ ግብረ ራዕዲ ልኡኽቶ ብምቕባልን ኣብቲ ኤምባሲ መጥቃዕቲ ንምፍፃም እናተንቀሳቐሱ ዝፀንሑ ፈጠርቲ ራዕዲ ንጥፍኣት ክጥቀሙሎም ዘዳለዉዎም ዓበይቲ መሳርሒታት ኲናት፣ ንምፍንጃር ዝውዕሉ ተቐፃፀልቲ ኣቑሑትን ዝተፈላለዩ ሰነዳትን ተረኺቦም።

እቲ ህቡእ ጉጅለ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ሕቡራት ኤሚረታት ዓርብ መጥቃዕቲ ንምፍፃም ዘኽእል ቅድመ ምድላው፣ መፅናዕቲን ስራሕቲ ምትእኽኻብ ሓበሬታን እናካየደ ከምዝፀንሐ ዘርእዩ ጭቡጣት መረዳእታታት ከምዝተረኸቡ ዝሓበረ እቲ መግለፂ፥ ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ጥቡቕ ክትትልን ለውውጥ ሓበሬታን ብምግባር ዝተሃቀነ መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ከፍሽል ክኢሉ።

መጥቃዕቲ ንምፍፃም ብሕቡእ ተወዲቦም እናተንቀሳቐሱ ካብ ሞንጎ ዝነበሩ ዝተወሰኑ ኣባላት እቲ ጉጅለ ቅድሚ ምትሓዞም ኣብ ከባቢ ህንፃ እቲ ኤምባሲ ዓበይቲ መሳርሒታት ሒዞም እናተንቀሳቐሱ ከምዝነበረ ብክትትል ምፍላጡ እውን እቲ መግለፂ ኣብሪሁ።

ካብ ሞንጎ እቶም ብሕቡእ እናተንቀሳቐሱ ዝነበሩ ኣባላት ፈጠርጢ ራዕዲ ነቲ ጉጅለ ዝመርሕ ዝመነበረ ወዲ 35 ዓመት ዓሊ ኣሕመድ ኣርዳይቶ ምስ ቢሮ ምርመራ ገበን ፖሊስ ፌዴራል ብምውዳድ ኣብ ጥሕቲ ቀይዲ ንኽውዕል ከምዝተገበረ ተሓቢሩ።

ነቲ መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ መቀነባበሪ ዝውዕል ብኣሽሓት ዝቑፀር ዶላር ኣሜሪካ ንዓሊ ኣሕመድ ኣርዳይቶ ከምዝተለኣኸሉ እውን ካብቲ ዝተኣከበ መረዳእታ ምርግጋፅ ተኻኢሉ ኢዩ ዝበለ እቲ መግለፂ፥ ምስቲ ውልቀሰብ ርክብ ዝነበሮን መጥቃዕቲ ንምፍፃም ብሕቡእ እናተንቀሳቐሰ ዝነበረን መሓመድ ኣብዱልቃኒ ዝተብሃለ ካሊእ ተጠርጣሪ እውን ድሕሪ መዓልቲታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣብ ዝወዓለሉ እዋን ኣብ መንበሪ ገዝኡ ኣፅዋር፣ ንምፍንጃር ዘገልግሉ ተቐፃፀልቲ ኣቑሑትን ሰነዳትን ከምዝተትሓዙ ኣፍሊጡ።

ተሓሲቡ ዝነበረ መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ክፍሽል ዝኸኣለ፤ እቲ ቤት ዕዮ ኣገልግሎት ምስ ናይ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ትካላት ሓበሬታን ድሕንነትን ዝተዋደደ ክትትልን ልውውጥ ሓበሬታን ብምግባሩ ምዃኑ ዝገለፀ እቲ መግለፂ፥ ብብርኪ ዓለም ምስ ዝተቐነባበረ ሽርሑሒ ግብረ ራዕዲ ተተሓሒዙ ካብ ኢትዮጵያን ስዊድንን ብተወሳኺ ኣብ ካልኦት ሃገራ እውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝወዓሉ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ተግባር አዶም ዘለዎምን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝርከቡን 21 ተጠርጠርቲ ውልቀሰባት ኣብ ቀይዲ ናይ ምውዓል ስራሕቲ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ እውን ተገሊፁ።

ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ ኣባላት ጉጅለ ግብረ ራዕዲን ተሓጋገዝቶምን ኣብ ቢሮ ምርመራ ገበን ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ጉዳዮም እናተፃረየ ከምዝርከብ እቲ ኣገልግሎት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ ኣፍሊጡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment