ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከባ 10 ሺሕን 500 ላዳ ታክሲታት ብሓደሽቲ ታክሲታት ክትከኣ ኢየን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከባ 10 ሺሕን 500 ፃዕዳን ሰማያዊን ላዳ ታክሲታት ብሓደሽቲ ታክሲታት ንምትካእ ምድላው ምዝዛሙ በዓል መዚ ትራንስፖርት ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ልዕሊ 50 ዓመት ግልጋሎት ዝሃባ እተን ተሸከርከርቲ፥ ብዘበናዊ ታክሲታት ንምትካእ ዘኽእል ስነ-ስርዓት ክታም ስምምዕነት ተኻይዱ።

ሓላፊ ቢሮ ትራንስፖርት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኢንጂነር ስጦታው ኣካል፥ ላዳ ታክሲታት ልዕሊ 10 ሺሕ ስድራታት ከምዘመሓድሩ ብምግላፅ እተን ታክሲታት ናይ ብዙሓት ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ በዓል ውዕለታታት ኢየን ኢሎም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ንዕቤት እታ ከተማ ዝምጥን ኣገልግሎት ትራንስፖርት ምቕራብ ኣድላ ኮይኑ ከምዝተረኸበ ገሊፆም፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ዕድመን ትሕዝቶን እተን ታክሲታት ነቲ ዘበን ዘይምጥን ብምዃኑ፥ እተን ተሸከርከርቲ ብሓደሽቲ ምትካእ ከምዘድለየ እውን ኣብሪሆም፡፡

ነተን ሃደሽቲ ታክሲታት ንምትካእ ልዕሊ ብር 6 ቢሊየን ካብ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ተመዓራርዩ ኢዩ፡፡

ኣብ ዝቕፅሉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ናብ ስራሕ ከም ዘኣትዉ እውን ተሓቢሩ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment