ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከባ ዩኒቨርሲቲታት ብሓባር መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ጀሚረን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከባ ዩኒቨርሲቲታት ብሓባር መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ጀሚረን።

እተን ትካላት ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ፣ ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዲስ ኣበባ፣ ሜትሮ ፖሊታን ዩኒቨርሲቲ ኮተቤን ቴክኒካል ዩኒቨርሲቲ ኢትዮጵያን ኢየን።

ብብርኪ ሃገር ንምትካል ዝተሃቀነ ሽዱሽተ ቢሊየን ፈልሲ ንምዕዋት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ብፅሒተን ንምውፃእ ኣብ ምድላው ከምዝኾና ኣብቲ መርሃ ግብሪ ተገሊፁ።

እተን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ብፍላይ ሃገር በቆልን ንምግቢ ዝውዕሉን እፅዋት ንምትካል ከምዝተሓሰቡ ኢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment