ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከባ ዝተፈላለያ ሆስፒላት ዝርገሐ ኮቪድ-19 ንምዕጋት ጠየቕቲ ከየኣትዉ ከልኪለን

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከባ ዝተፈላለያ ሆስፒላት ዝርገሐ ኮቪድ-19 ንምዕጋትን ድሕንነት ተሓከምቲ ንምሕላውን ብዝብል ዝተፈላለዩ ውሳነታት እናመሓላለፋ ይርከባ።

ኮሌጅ ሕክምና ሆስፒታል ሚሊኒየም ቅዱስ ጳውሎስ ድሕንነት ተገልገልቲ ንምሕላው ብዝብል ኣብ ኣወሃህባ ግልጋሎት ዝተወሰነ እዋን ለውጢ ምግባሩ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፁ ብዘውፀኦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ድማ ኣብቲ ሆስፒታል ሃሪሶም ንዝሕሙ ኩሎም ሰባት ልዕሊ ሓደ መለዓሊ ናብ ክፍሊ መደቀሲ ሕሙማት ይኹን ናብ ቀፅሪ ናይቲ ሆስፒታል ክኣቱ ከምዘይኽእል ገሊፁ።

ቅድሚ ሕዚ ኣብ ምሸታዊ ክፍለ ግዘ ዝወሃብ ዝነበረ ሕክምና ውልቀ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ንዘይተወሰነ እዋን ግልጋሎት ከምዘይህብ ዝገለፀ እቲ ሆስፒታል፥ ሕሙማት ንዝጥይቑ ሰባት ምትእንጋድ ጠጠው ከምዘበለ እውን ዕላዊ ገይሩ ኣሎ።

ሆስፒታል ዘውዲቱ ብግድኡ፥ ብዝተፈላለዩ ሕማማት ኣብቲ ሆስፒታል ደቂሶም ክትትል ሕክምና እናበሩ ዝርከቡ ተሓከምቲ ዘላዕል ሓደ ሰብ ጥራሕ እምበር ካሊእ ጠያቒ ከየኣቱ ምኽልካሉ ገሊፁ።

ዓማዊል እዙይ ብምፍላጥ ኣብ በሪ ናይቲ ሆስፒታል ብዝፍጠር ምጭንናቕን ዕግርግርን፥ ብቫይረስ ኮሮናን ካልኦት ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ከይቃልዑ ጥንቃቐ ክገብሩ ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቡ።

ካልኦት ሆስፒታላት ድማ ዝርገሐ ኮቪድ-19 ንምዕጋትን ድሕንነት ተሓከምቲ ንምሕላውን ብዝብል ናብ ቀፅሪ እተን ሆስፒታላት ዝኣዉሰባት ምርመራ መፍለዪ መጠን ረስኒ ሓዊሱ ካልኦት ዝተፈላለዩ ስጉምቲታት እናወሰዳ ከምዝርከባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment