ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ 314 ኤጀንሲታት ውልቀ መስራሕቲን ሰራሕተኛን ብዘመዝገቡዎ ኣድራሻ ዝተረኸቡ 150 ኤጀንሲታት ጥራሕ ኢዮም – መፅናዕቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ መቐመጢኦም ካብ ዝገበሩ 314 ኤጀንሲታት ውልቀ ሰራሕተኛን መስራሕቲን እናተገበረ ዝነበረ መፅናዕቲ ዕላዊ ኮይኑ።

እቲ መፅናዕቲ ሚኒስትር ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ዶክተር ኤርጎጌ ተስፋዬ፣ ፕሬዚዳንት ኮንፌዴሬሽን ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ኢትዮጵያ ካሳሁን ፎሎን ፕሬዚዳንት ኮንፌዴሬሽን ኣስራሕቲ ኢትዮጵያ ታደለ ይመርን ብሓባር ኣብ ዘሃቡዎ መግለፂ ኢዩ ዕላዊ ኮይኑ ዘሎ፡፡

እቲ መፅናዕቲ ካብ ዝምልከቶም ኣካላት ፍቓድ እንተይረኸቡ እናተበራኸቱ ዝመፅኡን ኣብቲ ዘፈር ካብ እዋን ናብ እዋን እናተሓላለኹ ዝመፅኡን ጥሕሰት ሕጊታትን ገበናትን መበገሲ ብምግባር ዝተኻየደ ከምዝኾነ ዝተሓበረ እንትኸውን፥ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መቐመጢኦም ኣብ ዝገበሩ 314 ናይ ውልቀ ኤጀንሲታት መስራሕቲን ሰራሕተኛን ትኹረት ተገይሩ ከምዝተኻየደ ተገሊፁ።

ብመሰረት እቲ መፅናዕቲ ብዘመዝገቡዎ ኣድራሻ ዝተረኸቡ 150 ኤጀንሲታት ጥራሕ እንትኾኑ፥ 71 ጉጅለ እቲ መፅናዕቲ ካብ ዘመዝገቡዎ ኣድራሻ ወፃእ ኣተኣላሊሹ ዝረኸቦም፣ 28 ዝተዓፀዉ፣ ትሽዓተ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ቢሮ ዘይብሎምን ዝተረፉ ድማ ንኸርእዩ ፍቓደኛታት ዘይኮኑ ኢዮም ተባሂሉ።

እቲ መፅናዕቲ መበገሲ ብምግባር ድማ ውሳነታት ክመሓላለፉ ከምዝተገበሩ ተገሊፁ፡፡

ብትዝታ ደሳለኝ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment