ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኣባላት ማሕበረሰብ ሙስሊም ንተመዛበልቲ ዝኸውን ልዕሊ 15 ሚሊየን ዝግመት ሓገዝ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኣባላት ማሕበረሰብ ሙስሊም ኣብ ደሴ ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ዜጋታት ዝኸውን ልዕሊ 15 ሚሊየን ዝግመት ሓገዝ ምግቢን ናውቲን ገይሮም።

ሕረተሰብ ብምትሕብባር ሓገዝ ሒዞም ኣብ ከተማ ደሴ ዝተረኸቡ መስጊድ ባዩሽ፣ ነጃሽ መስጊድን ኮሚቴ ኣብ ማእኸል ሃገር ዝነብሩ ተወለድቲ ሰሜን ወሎን ኢዮም።

ሓገዝ ዝገበሩ ተወከልቲ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ድሕሪ ሕዚ እውን ተመዛበልቲ ናብ ከባቢኦም ክሳብ ዝምለሱ ሓገዞም ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ተዛሪቦም።

ከንቲባ ከተማ ደሴ ኣይተ ሰይድ የሱፍ ኣብቲ ምሃብ ሓገዝ ተረኺቦም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ዝተገበረ ሓገዝ ምግቢን ምግቢ ተንከፍ ናውቲን ንተመዛበልቲ ወገናት ብዙሕ ትርጉም ከምዘለዎ ብምግላፅ ምስጋና ኣቕሪቦም ኢሎም።

ብእሸቱ ወ/ሚካኤል

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

Comments (0)
Add Comment