ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለዉ ትካላት ንግዲ ይኹኑ ኣብያተ ዕዮ መንግስቲን ውልቀን ናብ ስሩዕ ስረሖም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለዉ ኣናእሽተይን ዓበይቲን ትካላት ንግዲ ይኹኑ ኣብያተ ዕዮ መንግስቲን ውልቀን ካብ ትማሊ ጀሚሩ ናብ ስሩዕ ስረሖም ተመሊሶም።

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ከተማ ኣብ ዝገበሮ ትዕዝብቲ፥ እቶም ትካላት ይኹኑ ምንቅስቓስ ትራንስፖርት ንቡር ሰለማዊ ስራሕቶም ይፍፅሙ ምህላዎም ተዓዚቡ ኣሎ።

ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኢንጂነር ታከለ ኡማ፥ ኣብዚ ሰሙን ተዘሓሒሉ ዝነበረ ምንቅስቓስ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ናብ ስሩዕ ስርሑ ንክምለስ ምግላፆም ይዝከር።

ነዚ ስዒቡ ትማሊ እተን ትካላት ስራሕተን ዝጀመራ እንትኾና፥ ብተመሳሳሊ ትካላት ንግዲ ናብ ስሩዕ ምንቅስቓሰን ተመሊሰን ኢየን።

ኣብታ ከተማ ዘለዉ ሸገር ትራንስፖርትን ኣንበሳ ኣውቶብስን ይኹና ታክሲታት ሚኒባስ እውን ስሩዕ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ይህባ ኣለዋ።

ንጣቢያና ርኢቶኦም ዝሃቡ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ፥ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተጀመረ ስሩዕ ሰላማዊ ምንቅስቓስ ተጠናኺሩ ንክቕፅል ሓቲቶም።

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment