ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዋጋ ክራይ ገዛ ምውሳኽ ይኹን ተኻራዪ ካብ ገዛ ምውፃእ ን90 መዓልታት ተኸልኪሉ

ኣዲስ ኣበባ ፣  22 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዋጋ ክራይ ገዛ ምውሳኽ ይኹን ተኻራዪ ካብ ገዛ ምውፃእ ን90 መዓልታት ከምዝተኸልከለ ምምሕዳር እታ ከተማ ኣፍሊጡ።

ካብ ቀረባ እዋን ጀሚሩ ኣብታ ከተማ ናህሪ ናብራ የውስኽ ከምዘሎ ዘዘኻኸረ እቲ ምምሕዳር፥ እዚ ድማ ዘእምንን ምንም ዓይነት ኢኮኖሚያዊ ምኽኒያት ዘይብሉን ኢዩ ክብል ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ።

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እዛ ሃገር፣ ሃገር ኣብ ምፍራስ ተግባር ዝርከብ ምንቅስቓስ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንምኽሻፍ ይግበር ምስ ዘሎ ዘመቻ ብምዝማድ ነበራ እታ ከተማ ገንዘብ ኣብ ምውፃእ፣ ንሰራዊት ዝኸውን ስንቂ ኣብ ምዝግጃው፣ ልገሳ ደምን ህይወት መስዋእትነትን ይኸፍል ከምዘሎ ብምግላፅ፥ ኣብዚ እዋን እዚ ውሑዳት ስግብግብ ውልቀ ሰባት ብተፃራሪ ደው በምባል ካብ ጨዋነት ኢትዮጵያ ፍፁም ብዘፈንገጠ መገዲ ሐዚ መስ ዘሎ ፀገም ኣግባብነት ዘይብሉ ረብሓ ንምርካብ ብምሕሳብ ኣብ ዝተፈላለዩ ተግባራት ከመዝኣተዉ ገሊፁ።

ስለዝኾነ መንግስቲ ካብ ውሽጢን ደገን ዘለዉ ፅዕንቶታት ብምፅዋር ሃገር ናይ ምፍራስ ተግባር ንክኸሽፍን ናይ ዜጋታት ናይ ናብራ ፅዕንቶ ንክቕንስን ዘኽእሉ ስጉምቲታት ኣብ ምውሳድ ከምዝርከብ እቲ መግለፂ ሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ ክሳብ ታሕተዋይ ክፋል ማሕበረሰብ ዘሳተፈ ግብረ ሓይሊ ብምጥያሽ ኣሻጥራት ኢኮኖሚ ንምቕልባስ ዓሊሙ ብዙሓት ስራሕቲ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፁ።

ናይዚ ሓደ መርኣዪ ኣብታ ከተማ ዋጋ ክራይ ገዛ ምውሳኽ ይኹን ተኻራዪ ካብ ገዛ ምውፃእ ን90 መዓልታት ተኸልኪሉ ኣሎ ኢሉ።

ኣብ ቀፃሊ ተራእዩ እቲ ክልከላ ንተወሰኽቲ መዓልታት ክናዋሕ ከምዝኽእል አውን ሓቢሩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment