ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቢሮ ትራንስፖርት ኣዲስ ኣበባ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ተግባራዊ ዝግበር ምምሕያሽ ታሪፍ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ዕላዊ ምግባሩ ገሊፁ።
እቲ ምምሕያሽ ታሪፍ ተገይሩ ዘሎ ዓለም ለኸ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ መሰረት ብምግባር ከምዝኾነ ተገሊፁ።
በዚ ድማ ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ኣገልገሎት ትራንስፖርት ህዝቢ ዝህባ ሚዲ-ባስን ሚኒ-ባስን መመሓየሺ ትራንስፖርት ከምዝተገበረ ዝገለፁ፤ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ትራንስፖርት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ይርጋለም ብርሀኔ ኢዮም።
ዋጋ ነዳዲ ኣብ ግምት ብምእታው ዋጋ ትራንስፖርት ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ካብ 0.50 ሳንቲም ክሳብ 3 ብር 50 ሳንቲም ወሰኽ ምግባሩ እቲ ቢሮ ኣፍሊጡ።
ብምዃኑ ኣብ ሚዲ-ባስ ካብ 0.50 ሳንቲም ክሳብ 2.00 ብር ዝተወሰኸ እንትኸውን፥ ኣብ ሚኒ-ባስ ካብ 0.50 ሳንቲም ክሳብ 3.50 ተወሲኹ።
ሕብረተሰብ ካብ 1 ሰነ 2014 ዓ.ም ጀሚሩ ተግባራዊ ካብ ዝግበር ክፍሊት ታሪፍ ንላዕሊ ዝሓቱ ዘይሕጋዊ ኣካላት ንዝምልከቶ ኣካል ንኸፍልጡ ፃውዒት ምቕራቦም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።