ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝተቐመጠ ኣሰራርሓ ወፃእ ኣብ ዋጋ መንበሪ ኣባይቲ ወሰኽ ምግባርን ውዕሊ ክራይ ምቁራፅን ፍፁም ዝተኸልከለ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝተቐመጠ ኣሰራርሓ ወፃእ ኣብ ዋጋ መንበሪ ኣባይቲ ወሰኽ ምግባርን ውዕሊ ክራይ ምቁራፅን ፍፁም ዝተኸልከለ ከምዝኾነ ቢሮ ልምዓትን ምምሕዳርን ኣባይቲ እታ ከተማ ኣፍሊጡ።

ፈትሓዊ ዘይኮነ ወሰኽ ዋጋ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ዝፈጥሮ ፅዕንቶ ኣብ ግምት ብምእታው ሰርዓት ክራይ ገዛ ብሕጊ ዝምራሕን ግቡእ ቁፅፅር ብምግባርን ነቲ ፀገም ህፁፅ ምላሽ ምሃብ ግቡእ ኮይኑ ብምርካቡ ኣዋጅ ቁፅፅርን ምምሕዳርን መንበሪ ኣባይቲ ቁፅሪ 1320/2016 24 መጋቢት 2016 ዓ.ም ምውፅኡ ይፍለጥ።

ምምሕዳር እታ ከተማ እውን መምርሒ መፈፀሚ እቲ ኣዋጅ ቁፅሪ 7/2016 ብምውፃእ ተግባራዊ ምግባሩ ኣብቲ ቢሮ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ብምሰረት እዚ እቲ ኣዋጅ ወፂኡ ተግባራዊ ካብ ዝኾነሉ ዕለት ጀሚሩ ማለት 24 መጋቢት 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ብመንግስቲ ካብ ዝተቐመጠ ኣሰራርሓ ወፃእ ኣብ ዋጋ መንበሪ ኣባይቲ ወሰኽ ምግባርን ውዕሊ ክራይ ምቁራፅን ፍፁም ዝተኸልከለ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

Comments (0)
Add Comment