ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዘይሕጋዊያን ነጋዶ ዝተወረሰ 800 ሺሕ ሊትሮ ዘይቲ ብልዒ ንማሕበራት ሕብረት ስራሕ ሸማቶ ተኸፋፊሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከፍለ ከተማ ጉለሌ ካብ ዘይሕጋዊያን ነጋዶ ዝተወረሰ 800 ሺሕ ሊትሮ ዘይቲ ብልዒ ን10 ማሕበራት ሕብረት ስራሕ ሸማቶ ተኸፋፊሉ።

ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚ ስዒቡ ኣብታ ከተማ ሒደት ነጋዶ ኣብ ልዕሊ መሰረታዊ ሃለቕቲ ናውቲታት ዘይሕጋዊ ተግባር ይፍፅሙ ከምዘለዉ ምግላፁ ኣብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ እታ ከተማ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ንግዲ እታ ክፍለ ከታመ  ኣይተ ኣንዱዓለም ክብረት፥ ዘይሕጋዊያን ነጋዶ ሰብ ስራሕ ሕፅረት ንምፍጣር ዓሊሞም እቲ ዘይቲ ሓቢኦም ብምርካቦም ከምዝተወረሰ ገሊፆም።

Comments (0)
Add Comment