ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ዕዳጋ ኣዋሬ ኣጋጢሙ ዝነበረ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ የካ ከባቢ ዕዳጋ ኣዋሬ ኣጋጢሙ ዝነበረ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ።

ለይቲ ከባቢ 10 ዝተልዓለ እቲ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ፥ ብምትሕብባር ሰብ ሞያታት ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕን ባርዕ ሓዊን ኣዲስ ኣበባን፣ ፖላዊስን መናእሰይ እቲ ከባቢን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓለ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ክፍለ ከተማ የካ ኣይተ ኣስፋው ተክሌ ተዛሪቦም።

መበገሲ እቲ ሓደጋን ዘብፀሖ ጉድኣትን ብፖሊስ እናተፃረየ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ክፍለ ከተማ የካን ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም መጠን እቲ ጉድኣት ከምዝተዓዘቡ ካብ ፕሬስ ሴክሬታሪያት ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment