ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተውሃበ ዝነበረ ፈተና 12 ክፍሊ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ መዓልቲታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተውሃበ ዝነበረ ፈተና 12 ክፍሊ ተዛዚሙ።

36 ሺሕን 401 ተምሃሮ ንፈተና ዝተመዝገቡ እንትኾኑ፥ ቁፅሪ ፈተና ዝወሰዱ ተምሃሮ ግን 35 ሺሕን 856 ከምዝኾኑ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ እታ ከተማ ኣይተ ዳኘው ገብሪ ተዛሪቦም።

ኣብ መዛዘሚ እቲ ፈተና ተምሃሮ ልገሳ ደምን ኣብታ ሃገር ብዝተፈጠረ ፀገም ንዝተመዛበሉ ወገናት ምግቢ ተንከፍን ክዳውንቲን ሓገዝ ገይሮም።

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ዘዘራረቦም ተምሃሮ፥ ብዝገበሩዎ ሓገዝ ከምዝተሓጎሱን ኩሎም ዜጋታት ኣብ ምርግጋዕ ሃገር ክሰርሕ ከምዝግባእን ፀዊዖም።

ምትሕግጋዝ ብዝሐሸ መልክዑ ክቕፅል ከምዝግባእ እውን ገሊፆም።

ብኣፈወርቅ ኣለሙን ዘቢብ ተክላይን

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment